All updates

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና

06/11/2018
ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ
[ትንሳኤ]
ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና
ሓምለ 2018

መእተዊ

ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ንሕና ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ ወይ ብሓጺሩ ትንሳኤ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኢና።   ምስቲ ኣብ ሃገርና ዝጸንሐን ዘሎን ፖሊሳዊ ዓፈናዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ኣብ ባይታ ዘሎ ርዱእ ሓቅታት ብስቱር ዝተውደበን፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሕብረተሰብ ህዝብና ዝተጸፍየን፡ ስርሒታቱን ውዳበኡን ብዕድመን ቦታን ዘይሕጸር፡ መንኮርኮር ቃልሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሰረተ ስፊሕ ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ሃገርናን ኩለንተናዊ ህላወናን ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ኩሉ መዳያዊ ትንሳኤ ከነበስረሉ ንኽእል ባይታ ብህጹጽ ክፍጠር ከምዘለዎ ንኣምን።

ትንሳኤ ነቲ ንሃገርናን ህዝባን ብሰንኪ ሓደ ውልቀ-ሰብን በጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሃገራውያንን ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ ብዝግባእን ብዝቐልጠፈን ሃገራዊ መፍትሒ ክረከበሉ ከምዘለዎ ኣሚኑ ወለዶኣዊ ሓላፍነቱ ከተግብር ኣንቂዱ ዘሎ ውጽኢት እዚ ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝባዊ ሓይሊ’ዩ። ኣብ’ዚ ጉዕዞ ትንሳኤ፥ ሓርበኝንትን ጅግንነትን፡ ኩሉ ሃገራዊ ብዓቕሙ ክሳተፍን፡ ክብሩን ክብሪ ህዝቡን ህላውነት ሃገሩን ከውሕስ፡ ብሓጺሩ ትንሳኤ ህዝቡን ሃገሩን ከበስር ብዘይ ውዓል ሕደር ክብገስን ክነጥፍን ሃገራዊ መጸዋዕታና በዚ ኣጋጣሚ ነቕርብ። ብምቕጻል ንህሉው ኩነታትና ብምሕባር፥ ክንርድኦ ዘለና ሓቅታትን ሳዕቤናቱን ትርጉሙን ብምብራህ ሃገራዊ ጻውዒት ነቕርብ።

  • ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥
  • ጻውዒት “ሰላም” መንግስቲ ኢፌድሪ፥
  • ሃገራዊ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈርቂ፥
  • ሃገራዊ ጻውዒት
  • ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብሓቂ ናበይ ገጹ ይጎዓዝን፥ ብኸመይን ብመንን ይዝወርን ይናወጽን ምህላዉ ንህዝቢ ኤርትራ ምሕባር ከም ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝቑጸር። እቲ ብሩህ ነገር ህዝቢ ኣብ ከውሊ፤ ጉዳይ ሃገሩ ግን ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብፖለቲካዊ ሽሕጣንን ጨለነትን ኣብ ዳግም ናይ ጥፍኣት ፈተነ ኣትዩ ምህላዉ እዩ። እዚ ነቶም ናይ’ዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ግዝያዊ ዘወርቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሽኩሽኳን ለዃኹቶን ዝዓይነቱ ጉያጉያ ንጹር እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕዱር ሕልሞም ተጋሂድሎም ነቲ ኣብ ከስዐኦም ደጉሎሞ ዝጸንሑ ተጻይ ሎሚ ብዓቐን ከቕርብዎ’ውን ኣይፈተኑን፥ ብኣንጻሩ ህሩፍ ስሚዒቶም ምቁጽጻር ከሊእዎም ፕሮቶኮላዊ ኣደብ ስኢኖም ክድርጉሑዎ ሕንኽ ኣይበሉን፥ ናይ’ዚ ቀንዲ መሪሕ ድማ ንዓና መሲሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ልኡኽ ጥፍኣትና ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። እቲ ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም ሎሚ ብግህዶ፥ እቲ ብኣብነት ከተምህሮ ተጸጊሙ ዝጸነሐ ግሩህ ልብን ኣእምሮን ዜጋታትና ሎሚ ብትሕዞ ሕዱር ሕማም ኢሳያስ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከምዘይኮነ እቲ ሓቂ ፈጋዕ ኢሉ ወጺኡ ይርከብ።

ሓርበኛታት ኤርትራውያን ድሕሪ’ዚ እንታይ ንጽበ፥ ዳግማይ ሰላሕታዊ ዘለኣለማዊ ኣርዑት፥ ወይስ ኩሉ ደቀቕቲ ጉዳያት ንጎኒ ሓዲካ ልኡላዊ ክብርኻ ምውሓስ፣ መንነትካ ምዕቃብን ንስኻ ኮንካ ምንባር፣

እዚ ሕጂ ዝሓንን ዘሎ ህቦብላ ሃቐንኡ ፍሉጥ እዩ፥ ሓደግኡ ብኣግኡ ክግታእ ግን ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ሃጸፍጸፍ ብዝርዝር ክንፍትሾን ትርጉሙ ክንርዳእን፥ በዚ መሰረት ሓላፍነትና ክንስከምን ክብርናን መሰልናን ክንመልስን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕብረትን ልዑል ሃገራውነትን፥ ሃገረይ፥ ክብረተይ፥ ርስተይ፡ መንነተይ መሰለይ ትንሳኤይ ክብል ይግባእ።

ጻዊዒት ‘ሰላም ኢትዮጵያ’፥

ሰላም ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደኸመላ፥ ዝበሃጋ፥ ዝተጋደለላ፥ ዋጋ ዝኸፈለላ የለን፥ ዛጊት ግን ምሉእ ሰላም ኣይረኸበን፥ ምኽንያቱ ሰላም ኣለኒ ክትብል እንተኾንካ ኣብ ሃገርካ ሕረስ ሓረስታይ፥ ንገድ ነጋዳይ፥ ስራሕ ሰራሕተኛ፥ ዝብል መንግስትን ብፍትሒ ዝተዋሕሰት ሂወትን ምስ ዝህሉ እዩ። እዚ ኩሉ ግን ኣብ ኤርትራ የለን። ስለዚ ሰላም ኣሎ ክበሃል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ንፍጹም ህላውነትና ዝፈታትን ብኣዝዩ ረቂቕ ዝመስል ስብከታዊ ህቦብላ ኣንጸላሊዩና ኣሎ። ናይ’ዚ ፈላሚ ተበግሶ እዚ ብዕለት 9 ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ “ሰላምን ዕርክነትን” ውዕል ዝተፈረመ እዩ። እዚ ሓሙሽተ (5) ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናትን፡ ሃዋሁ ኲናትን ከምዘኸተመን፤ ኣብ መንጎአን ክህሉ ዘለዎ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህልን፡ ጸጥታ ጥቡቕ ምትሕብባር ዝኣመተ ዝመስል እዩ። ከምዚ ዓይነት ውዕል፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝመድና ክልቲኤን ዘርሑን፡ ንኻልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጸገማት ንምፍታሕ ዝኸፍቶ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ምስዛኣቱ፡ ነቲ ውዕል ሃንጉፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ድንዕ ትብል። ብሕልፊ እቲ ብሰንኪ ደማዊ ኲናት ዝጠፍአ ሂወትን ብሰንኪ ንልዕሊ ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታትን፡ ብኡ ብምምኽናይ ውልቀ-መላኺ ደማሒ ምሕደራ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታትን ቁጠባዊ ብርስትን ማሕበራዊ ምብትታን ተተሓሒዙ ምስ ዝረአ፡ ነዚ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ውዕል፡ ትንፋስ ክህብ እዩ ዝብል ተስፋ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ይኹን ድኣምበር፡ እዚ ውዕል ፖለቲካዊ ባህሪ ስለዘለዎን፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ስለዝምልከት፡ ካብ ስምዒት ተወጺኡ ብዕቱብ ክርአ የድሊ።

ሰላም ብሓደ ኣካል ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ናይ ክልተ ወገናት ምዕሩይ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺን ድልየትን ክህሉ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ስምምዕ ሰላም ዝበሃል ዘሎ እዚ ምዕሩይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ የለን እዩ። ምኽንያቱ ብወገን ኤርትራ ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ፥ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ፥ ንሃገር ዝመርሕን ንመንግስቲ ልጓም ዝገብርን ቅዋም፥ መሰረታዊ ነጻነትን ሃገራዊ ልኡላውነትን ዘረጋግጽን ረብሓ ሃገርና ዝሕሉ መሪሕነት ይኹን ትካል ይኹን መባእታዊ ፍትሒ ዘየብሉ ሃዋሁው እዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ነዚ ኩነታት’ዚ ከይቀየርካ ሰላም ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን ሃገራዊ ረብሓኻ ከተረጋግጽውን ኣይከኣልን። ስለዚ ኤርትራውያን እዚ ሰላም ዝመስል ግን ድማ ንጎደቦና ድግስ ንዓና ግን ተስካር ዝዓይነቱ ሓደገኛ ምዕባለ ምዃኑ ብኣንክሮ ክዕዘቦን ከም ህዝቢ ካብ ዳግማይ ስእነት ዋንነት ልኡላዊት ሃገር ክንድሕን ሕጂ ግዚኡ እዩ።

ነስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ስምዒት ኣወጊድና፥ ካብ ክቱር ጭቆናን ጸቕጥን ኢሰያስ ዝፈጠሮ ዘይንቡር ኩነተ-ኣእምሮ ወጺና ንነብስና ኣረጋጊእና፥ ካብ ጭርሖታት ጎሲምካ ምኻድ ተናጊፍና፥ ብነቐፌታዊ ዓይኒ፥ ሚዛኑ ብዝሓለወን ብዝበረኸን ደረጃ ነዚ ኩነታት ብዕምቆት ንተዓዘቦ፥ ንገምግሞ፥ እቲ ሓቂ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ።

እዚ ኣዋጅ “ሰላምን ዕርክነትን” ካበይ`ዩ መጺኡ?

ከምዝፈለጥ ኣብ ጉዳይ ዶብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ “ቅድም ልዘብ ደሓር ምምልካት ዶብ” ዝብል ቅድመ-ኩነት ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋኑ ክትግበር ኣይተኻእለን። ጭፍራ ኢስያስ ብወገኑ “ብይን ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትገበር ኣለዎ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ!” ዝብል መርገጺ ብምሓዝ ህዝብና ብሰበብ ጉዳይ ዶብ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፥ ብወገን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ካብ 2015 ጀሚሩ ከም ህቦብላ ንፋስ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክምለስ ዘይክእል ኣዝዩ ፍጡንን ዓሚቕን ፖለቲካዊ መስርሕ ለውጢ ጸኒሓ። ነቲ ምልዕዓል ንምግታእ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዝነበር መንግስታዊ ገብረ-መልሲ ኣብ ውሽጢ ከስዐ ፖለቲካዊ ሰልጣን እታ ሃገር ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ። በዚ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ኣልጊሱ፤ ድሕሪ ነዊሕ ውድባዊ ‘ግምገማታት’፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ኣቦ-መንበር እቲ ገዛኢ ሰልፊን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ። ምምጻእ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሰልጣን፡ ንሱ ክኽተሎ ዝጀመረ ፖለቲካዊ መስመር ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅለሳ ዘተምብህ ኮይኑ ይርአ፤ ዉሑድ ዘይኮነ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ደጋፊኡ ዝኾነ ይመስል። ኣብ’ዚ ሓደ ንኩሉ ክዉል ዘይኮነ ነገር በዚ ለውጢ ንህዝቢ ትግራይ ልቡ ከይረግኣሉ ዝቕስቡ ተርእዮታት ኣብ መድረኽ ብጋህዲ ምውጽኦም፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ሓደገኛ ዓሌታዊ ነውጺን ምቅትታልን ይቕጽል ምህላዉ እዩ። ብሓፈሻ ግን መግለጺታት ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሕብረትን፡ ስኒትን፡ ዕርቅን ወ.ዘ.ተ ዘብሎ ስብከታዊ ኣቀራርባ ዘስመረ ስለዝኾነን፡ ነዚ ስብከታዊ መደረታት ዘሰኒ’ውን ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራት፡ ምልዓል ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን፥ ምዕዳም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣብ ስርዓት ደርጊ ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣዘዝትን ሓለፍትን ስርዓት ደርጊ ነበር ከይተረፉ ሃገሮም ክኣትዉን፥ ክፉት ሓውሲ ህዝባዊ ሰሚናር ዝዓይነቱ ብምክያድ ብይቕረታ ዝተሰነየ መደረ፡ ንቀ/ሚ ኣቢይ ውሽጣውን ግዳማውን ደገፍ ከምጽኣሉ ክኢሉ እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣነጻጺርካ ምስ ዝርአ እቲ ዘይምዕሩይ ኩነተ-ህላወ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ዝኾነ ኣበርክቶ ንሰላም ክህልወን ከምዘይከኣልን ዘግህድ እዩ።

ህሉው ሓቅታት ሃገርና እንታይ ይመስል፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ጎዳጉዲ ብዘይፍርዲ ማሲኖም ይሞቱን ሞይቶም፥ ዝበዝሕ መንእሰይ ኣብ ጎዳጉዲ ተሃድሶታት ዝብል መሳቐዩ መዳጎኒታት ይርከብ፡ ብቐጻሊ መንእሰይ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ይርከብ፥ ሓርነት ካብ ሃገር ምውጻእ ወይ ምእታው የለን፥ ሰብ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጺኡ ክሰርሕን ነብሱ ክመርሕን ዘይከኣለሉ፥ ኣሽሓት ሰደተኛታት ኣብ ፈቐድኡ መዓስከር ስደተኛታት ተዳጉኖም፥ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕዩር ሓታቲ ወኪል ዘይብሎም ይማስኑ፥ ድኽነት ዓቐኑ ሓሊፉ ህዝቢ ድራር እለቱ ክረኽበሉ ዘይከኣል ኩነተ-ህላወ ይርከብ። እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ዉሑድ ሓቀኛ ኩነታት ኤርትራ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፥ ኢሰያስ ሰላም መጺኡ፥ ምስ ኢትጵዮያ ሽግርና ተፈቲሑ ክብል በየናይ መለክዒ እዩ፣ ቅድም ከብረት ዜጋታት ይመለስ፥ ህዝቢ ልኡላዊ ስልጣን ይሓዝ፥ ዕድሉ ባዕሉ ይወስን። ድሕሪ’ዚዩ ሰላም ምስ ጎረበባብቱ ከጽንዕ ዝኽእልብ፥ ሓቀኛ ናይ ሰላም ማሻርኽቲ ዝኸውንን።

ሰላም ማለት ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ክስተት ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ጉዳይ ዶብ ዝነበረ መርገጺ እዩ። ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ቀ/ሚ ኣብይ ዝወሰዶም ውሳኔታት ብዛዕባ ግጭት ዶብ ምስ ኤርትራ ብዘመልከት እዩ። ቀ/ሚ ኣብይ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚቴ ገዛኢ ስልፊ ኢትዮጵያ ብዕለት 5 ሰነ 2018 ነቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተቐቢሉ ከተግብር ድሉው ከምዝኾነን ምስ ሃገረ ኤርትራ ንቡር ርክብ ክጅመር ዘሎ ድልየትን ገሊጹ። እዚ ሓድሽ መርገጺ ኢህወደግ ኣይኮነን፥ እቲ ፍልልይ መን ኢልዎ፥ መዓስን ንምንታይ ዕላማን ጥራይ እዩ።

ብወገን ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ነዚ ጻዊዕት መልሲ ኣብ ምሃብ ንህዝቢ ከደናግር ኣፉ ሓቲሙ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ብኣፈኛ ኢሳያስ ዝኾነ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል “ስራዊቶም ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ይውጽኡ ቅድም!” ትብል ሓጻር መግለጺ እያ ኔራ። ብድሕሪ’ዚ ዝሰዓበ ጉያጉያ ግን ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ዘግሃደ እዩ።

ቅድሚ ናብ’ዚ ዘሎ ህቦብላዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምእታው ግን ክኸዱ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ድፍኢታትን ፍጻመታትን ምፍላጥ የድሊ፥

  • ብዶናልድ ያማሞቶ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ማዓልታት ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣብዝገበሮ ዑደት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሒላብ ቀይሕ-ባሕሪ ንዝምዕብል ጂኦ-ስትራተጂካዊ ምቅይያር ከምዘስክፎን፡ ኣብ’ኡ ወሳኒ ግደ ክህልዎ ክምዝደልን፤ ምእንቲ’ዚ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሕልፊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ርግኣት ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፤ ሕቶ ዶብ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ከምዘለዎን፡ ኣመሪካ ዘድሊ ግደ ክትጻወት ምዃና ዝሓዘ መልእኽቲ ኣምሓላሊፉ። ብዘለዎም ውሽጣዊ ድፍኢታት፡ ክልቲኦም መንግስታት ነዚ ምሕጽንታ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምቕባል ናይ ሰላም ሓይልታት መሲሎም ቀሪቦም።
  • ብድሕሪ እዚ፡ ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳያት ዕስማን ሳልሕን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብን ዘለውዎ ወኪል ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ክራኸብ ናብ ዋሺንግቶን ብምኻድ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ ከምዘነበረ ይፍለጥ። ዕላምኡ ድማ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዘቐረበ ጠለብ ኣተገባብርኡ ንምልዛብን፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ በየናይ ደረጃ ወይ ኣገባብ ርክባት ምግባር እዩ ኔሩ።
  • ብድሕሪ ቀ/ሚ ኣብይ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብን ዝምድናን ምስ ኤርትራ ዝገበሮ መግለጺ፡ ኢሰያስ ናብ ስዑድያ ኣብ ዘገበሮ ስቱር ምብጻሕ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ርክብ ክጅምር ብግልጺ ተሓቢርዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኢሰያስ ናብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ብስቱር ተራኺቦም ነዊሕን ደቒቕን ዝርርብ ከምዝገበሩን፡ መንግስቲ ዓረብ ኢማራት ንኽልቲኤን ሃገራት ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ግን ብዙሕ ሚልዮናት ገንዘብ ክዋሃቡ ከምተማባጽዐት ዝፍለጥ እዩ። ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ገንዘብ ብምልክዕ ሓገዝን ወፍርን 3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ኣብ ኣጋጣሚ ዑደት ወራሲ ዓራት ኢማራት ኣዲስ-ኣበባ ተቓሊሑ ኔሩ። ንኤርትራ ዝዋሃብ ግን ከምውትሩ ጉዳይ ውልቀመላኺ ኢስያስ ጥራሕ ኮይኑ፡ ይትረፍ ሓፋሽ ህዝቢ እቶም ካቢነ ሚኒስተራት’ውን ዝፈልጥዎ ኣይኮኑን።
  • ብድሕሪ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተስታፍን ተዓዛብን ብሕልፊ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘስደምም መንገዲ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ዕለት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ንመጸዋዕታ ቀ/ሚ ኣቢይ ከምዝተቐበሎን፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ጭፍርኡ ክልእኽ ከምዝወሰነ ዘፍለጠ። እቲ ንኣዲስ-ኣበባ ዝኸደ ልኡኽ ብዝተገበረሉ ኣቀባብላን እንግዶትን ብምምሳጥ፡ “ምድማር፡ ሕብረት፡ ዶብ ኣገዳሲ ኣይኮነን!” ዝብል መንፈስ መደረታት ሂቦምን ኣብ ምላሾም ንመቐበሊ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸውን ባንዴራታት ኢትዮጵያ ጽዒኖም ናብ ልኣኺኦም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም። ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ቀ/ሚ ኣብይ ወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ኤርትራ ኣካይዱ።
  • ህዝቢ ኣስመራ ነቲ ድሕሪ ዕስራ ዓምታት ዝተሓረሞ ወረ ሰላም ብምስምዑ፡ ሓጎሱ ክገልጽ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ወጺኡ። ብትካላት እቲ ጭፍራ ዝተዋደደ ሰልፍታት ባንዴራታት ኢትዮጵያ ብምሓዝ “ተደሚርና ኢና! ሓደ ኮይንና ኢና! ፍቅር ያሸንፋል!” ኢሎም ብምጭራሕ፡ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነበሮ ቅኑዕ ተስፋ ሰላም ስምዒት “ኣንድነታዊ መልክዕ” ከትሕዝዎ ፈቲኖም እዮም። ምስ’ዚ ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ዘሰለፎም ዝብልዎ ዘነበሩ ዝመዓራረን ንዝተኣሳሰርን፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣብ ንኽብሪ ቀ/ሚ ኣብይ ኢሉ ዘዳለዎ ናይ ድራር እንግዶት ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ፤ “እዚ ን25 ዓመት ተነፊጉና ዝነበረ ዕድል'ዩ፡ 25 ዓመት ቀሊል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና" ክብል ከይሓነኸ ተሰሚዑ። ምስ’ዚ "ዶብ ኣየድልየናን'ዩ፡ እዚ ህዝቢ'ዚ ዝምድናኡ ብዶብ ዝጋረድ ኣይኮነን" ዝብል ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ። እዚ “ንለባም ኣምታሉ፡ ንዕሻ ኻኣ ዶርግሓሉ” ብምባል ክትሓልፎ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ምብርሁ ኣገዳሲ እዩ።
  • መግለጺ ኢሰያስ ብልክዕ ነቲ ናይ ነዊሕ ሃንቀውታኡ ዘግሃደ እዩ። “ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና” ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ እንታይ ዓይነት ዝጠፈአት ንብረት ስለዝነበረት እያ ሕጂ ትምለስ ዘላ፥ ኣስተውዕል ህዝቢ።
  • ኢሰያስ 25 ዓመታት ክብል ዝገለጾ ካበየናይ እዩ ዝጅምር፥ 25 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ሃገርና ነቲ ብመሪር መስዋእቱ ዝረኸቦ ነጻነት፥ ብድምጹ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትህልዎ ዝወሰነሉ ዓመት እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይበረሃሉ ዝነበረ ግን ቅድሚ 25 ዓመት ነጻነትና ብረፈረንዱም ክዛዘም እንከሎ ንኢሰያስ ግን ሓንሳብን ንሓውሩን ኤርትራ እንተስ ብግህዶ ብወረራ ወይ ብሰላሕታ ኣብ መቑሕ ኢትዮጵያ ክትምለሰሉ ከምዘይኮነት መርድእ ዝተቐበለሉን፥ ሕልሙ ዝጸልመተሉን፡ ምንባሩ ሕጂ ኣግሂድዎ፥ ኦሮማይ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራ ንዘንተእለት ኤርትራ ኮይና ክትቅጽል እያ ዝብል ስምባደ ኣትይዎ ከም ዝነበረ ሕጂ ንኹልና ተጋሂዱ። እንተኾነ ኣይደቀሰን፥ ነዚ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ንምፍጻም ንህዝቢ ንምድኻም ህዝቢ ብግርሁ ክሰርሓሉ ጸኒሑ፥ ሕጂ ሃገር ደኺማ ህዝባ ባዲሙ ዳግም ሕልሙ ኣበራቢሩ ሃገር ከረክባ ብናህሪ ይጋልብ ኣሎ፡ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ክንዮ’ዚ እንታይ ንጽበ፣

ብሓጺሩ እዚ ብዕለት 09 ሓምለ ኣብ መንጎ ጭፍራ ውልቀ-መላኺ ኢስያስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ካብ ዓይንን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸወለን ዝርሓቐን መንፈስ ዝለበሰን መስርሕ ዝሓለፈን እዩ። ኣብ`ዚ ሃገራውያን ክንግንዘቦ ዘድሊ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት፡ እንትርፎ ንስልጣኑ መሳርሒ ክጥቀመሉ፡ ከም ክብርን መሰልን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሓሳቡን ድልየቱን ከምኡ`ውን ግዲኡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ክዋሓሰሉ ከምዘይብሉ፥ ረጊጹ ከምዝሕዞ ብዘየደናግር መልክዕ ክንግንዘብ ኪኢልና ኣሎና። ብሕልፊ ኣብ ጉዳይ ዶብን ልዑላውነትን ሃገርን ብዘምልከት፡ ህዝቢ ኤርትራ ስፍ ዘይበል መስዋእቲ ዝኸፈለሉን፡ ጽንዓቱ ዘመስከረሉ፡ ካብ’ቲ ንነጻነት ሃገር ዘውሓሰ ረፈረንዶም ብዘይንእስ መገዲ፡ ርኢይትኡ ክሕተትን ክሳተፍን ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት እንተ ብቐጥታ ተሳትፎ ህዝቢ ወይ ብሕጋውያን ወከልቱ ኣቢሉ ክዝትየሉን ሓሳቡ ክድምረሉ ይግብኦ ኔሩ። ብእንጻሩ፡ ኣገዳስቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ከም ውልቀ ዋኒን ብሓደ ውልቀ-ሰብ ተታሒዙን ተገቢቱን፡ ንናይ ሓደ ሰብ ጥቕምን ድልየትን ክማልእ እዩ ክስራሕ ጸኒሑን ዘሎን። ይትረፍ’ዶ ሓፋሽ ህዝቢ፡ እቶም ስልጣን መንግስቲ ሚኒስተራት፥ ዓበይቲ ሓለፍቲ፥ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ክሰምዕዎን ክሳተፍዎን ይትረፍ ብዛዕባ ዝሓለፈ መስርሕ ብዙሕ ዝፈልጥዎ ከምዘየለ ዘግህድ ኩነታት እዩ ንዕዘቦ ዘለና። መስርሕ ናይ’ቲ ብዕለት 9 ሓምለ ዝተኸተመ ውዕል እምበኣር ውልቀ-ልኣኺ ብውልቁ ዝወድኦ መስርሕ እዩ፥ ተሰካሚ ሳዕቤኑ ድማ ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ክሳዕ ሕጂ፡ ማዕከን ዜና ኤርትራ ብዛዕባ እቲ መስርሕን ውዕልን፡ ትሕዝትኡን ትንታነን ዘይመቕራበን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛቢ ክኽውንን ኣፍልጦ ንኸይህሎዎን፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ማዕረ ክንደይ ከም ዕላማ ክምዘሓዞ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ ኣሎ። ብዛዕባ ትሕዝቶ ውዕል ዝተሰምዐ ኣንተሃልዮ ብናይ ወጻኢ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ እዩ። ህዝቢ ሕጂ’ኸ እንታይ ይመጽእ፥ ፍትሒ፥ ነጻነት፥ ሂወትና ንውንነሉ መዓልቲ መዓስ’ዩ እንዳበለ ብከቢድ ስግኣትን ሃንቀውታን ይጽበ ኣሎ።

ሳዕቤን ናይ’ዚ ውዕል እንታይ እዩ፣

ከም ኩሎም ኣህጉራዊ ውዕላት፡ እዚ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ውዕል፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ`ዩ ዘለዎ። ሰለዝኾነ ከኣ፡ ነቶም ዋናታቱን ካልኦት ኣካላትን ብብዙሕ መንጽር ክትንትንዎን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትግብርዎን ዘሎ ተኽእሎ ሰፊሕ እዩ። ንዓና ን ትንሳኤ ከም ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ብቐዳምነት ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ውርሻ ሰማእታትናን ዘረጋግጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተቐባልነት ዝህልዎ። ኣብ ትንታነ ትሕዝቶን ሳዕቤንን ናይ’ቲ ውዕል ከም ቀንዲ ረቛሒ ንወስዶ ከኣ፡ ባህርን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ውክልና ወሲዱ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝኸተመ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ሰለዝኾነ፡ እዚ ውዕል ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሳዕቤኑ ኣንታይ ክኸውን እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ።

ናብ’ቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል ምስንመጽእ፡ እቲ ውዕል ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘለዎም ብብዙሕ መዳያት ዘተኣሳስር ዝምድናታት ዝብገስ ናይ ሓባር ረብሓታት ክምዘለዎም ይጠቅስ። ብምቕጻል ኣብ “ዝሓልፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዕድላት ከምዝተነፍጎም[ን]” “ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን. . . ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈ ምዕራፍ. . .” ክምዘነበረ እቲ ውዕል የዘኻኽር። እቲ ውዕል ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ “ነዚ ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ክምዘለው” ይነግር። ከም ህዝቢ ክንዮ’ቲ ኣብ መቐድም ሰፊሩ ዘሎ ወርቃዊ ቃላት ምርዳእ ከድልየና እዩ።

ኣብ’ዚ ሽሕጣን ዝመልኦ ቃላት፡ ብዙሕ ሕቶታት ክልዓል ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣብ ጎረባብቱ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ዘለዎ ኩለ-መዳያዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ኣይኮነን። እቲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ድልውነት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ምክብባርን ምዕባለን ብልጽግናን ምጉዓዝን’ውን ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ መድራኻት ንህላውነቱን ክብርታቱን ዝፈታተን ኲናት ብምምካትን፡ ኣብ 1991 ሃገራዊ ናጽነቱ ብምውሓስ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ምዕባለን ብልጽግናን ሕውነትን ምትሕበባርን ምስ ጎረባብቱ ዝኣንፈተ ህዝቢ እዩ። ነዚ መሰረት ክኸውን ከኣ ውሽጣዊ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ብምንጻፍ ሃገራዊ ቅዋም ዘጽደቐ ህዝቢ’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ስእነት ልቦና ዘለዎ ካብ ትምክሕቲ ነጻ ዝኾነ መሪሕነት፡ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ዴሞክራስያዊ መስረሕ ንምዕንቃፍን፡ ስልጣን መንግስቲ ንምብሓትን፡ ኣብ ዘይሓሰቦ ኲናት ከም ዝሽመም ኮይኑ ጸኒሑ። ብሰንኪ እቲ ኣሰቃቒ ዶባዊ ኲናት ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት መንእስያት ሂወት ዝተቐዝፎን፡ ስንክልና ተሰኪሙ፥ ኩለእንትናዊ ምድኻምን ምብትታንን