All updates

መደረ ኣምባ. ዓንደብርሃን ‘ህሉው ኵነታትን መጻኢ ብድሆታትን ሃገርና’

05/08/2019

Frankfurt, Germany
3 ነሓሰ 2019

ህሉው ኵነታትን መጻኢ ብድሆታትን ሃገርና

ክቡር ኣቦ መንበር፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2019

ሰላም፡ ከመይ ትዀኑ፧

ኣቐዲመ፡ ኣብዚ ፈስቲቫል’ዚ ንምስታፍ ንዝተገብረለይ ዕድመ ብልቢ አመስግን። ኣስዒበ፡ ስለ’ቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን’ዚ ዚተኻየደ ሓድነታዊ ጕባኤኹም ዮሃና እብል። ብተወሳኺ፡ እዚ  ፈስቲቫልኩም ዕዉት ኪኸውን እትምነ።

ፖለቲካዊ ቃልሲና፡ ነዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን እናዓበየ ኪመጽእ ዚጸንሐ ሓያል ማዕበል ናይ ‘ይኣክል’ ንምልኪ፣ ነቲ ኣወንታዊ መዳያቱ እናኣሓየልና ነቲ ኣሉታዊ መዳያቱ ብምእላይ፤ ቅኑዕ ሃገራዊ መኣዝን ምትሓዝ፣ ምሉእ ዓቕሚ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ንምቕናዕ ምጽዓር፣ ቀንዲ እዋናዊ ዕማም ናይቲ ሃገራዊ ሓይሊ እመስለኒ።

ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርና፡ ኵላትና በብመንገድና እንረኽቦ ሓበሬታን እነዋህልሎ ኣፍልጦን ስለዘሎ፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ናይ ሓባር መረዳእታ ንምትሓዝ ዚሕግዝ ሓጺር ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ፡-  (1)   እዋናዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፣ (2) ቀንዲ ብድሆታት ሃገራዊ ቃልስና፣ (3) ገምጋም ውጽኢት ሕዳሰ-ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ከቕርብ እየ።

1.     እዋናዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን

ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ተጐናጺፋ ከተብቅዕ፣ ህዝብና ግዳይ ጨቋኒ ስርዓት ኰይኑ፡ ይሳቐ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ኣብ ስደት፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ይርከብ። ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተረጊጹ፣ ምጾታት ናይ ጃምላዊ ስደት ኣጋጢሙዎ፣ ዚከላኸለሉ፡ ዚሓልየሉ መንግስቲ ስለ ዘይብሉ፡ ፈቐድኡ ይሕረድ፣ ይቕተል፣ ይጥሕል ኣሎ። ሃገር ባዲማ፣ ቀጻልነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።

ኣብ ዓለምና ሎሚ፡ ኤርትራዊ መርኣያ ናይ መወዳእታ ዚሰኣነ ወጽዓ፡ ስደት፡ ውርደት ኰይኑ።  ሎሚ፡ 28 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ መነባብሮ ህዝቢና፡ ኣብ ከተማታት ኰነ ኣብ ገጠራት፡ ካብ ምዝዛም ባዕዳዊ ግዝኣት ኢጣልያ ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ዚኸፍአ ደረጃ ምህላዉ ኣዝዩ ዘጕሂ ተርእዮ ኢዩ።

ኤርትራ ሎሚ ብስብርባር ናይ ዘይተማልአ ትጽቢታት፡ ናይ ዚተጠልመ መብጽዓታት፡ ናይ ዚበነነ ተስፋታት ሓርነት፡ ፍትሒን ግስጋሴን ወዚላ ትርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ምልካዊ ስርዓት ይግረፍ፣ ብኣደራዕ ጭቈናን ዓመጽን ይሳቐ፣ መንእሰያትና ፈቐድኡ ይፈልሱን ይግፍዑን ኣለዉ።

እቲ ዚዀነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኪርኢ ዘይደሊ ሓሳድ ስርዓት፡ ብግብሪ ሃገር የዕኑ፣ ንዅሉ ዜጋ ብኣልማማ ይደቍስ፡ ይጭፍልቕ፡ ይዕፍን ኣሎ። እዚ ዓመጸኛ ስርዓት’ዚ ብፍሉይ ዚውክሎ፣ ብፍሉይ ዚሕብሕቦ ወይ ብፍሉይ ዘጥቅዖ ክፋል ህዝብና ኰነ ሕብረተሰብና የለን። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ብሓባር ተቓሊሱ ኪኣልዮ ይግባእ።

ቀጻሊ ህላወ ሃገርን ድሕነት ህዝቢን ሎሚ፡ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ይጠልብ። ንሓደ መቓቒሉ ዚገዝእ ዓመጸኛ ስርዓት ምልዋጥ ግን ቀሊል ኣይኰነን፤ ኪኖ ለውጢ፡ ፖለቲካዊ ስግግር ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ዚበርትዐን ዚጸንከረን ዕማም ኢዩ። ኣድማዒ ለውጥን ርጉእ ስግግርን ምፍጻም፡ ለባም ኣተሓሕዛን ጥንቁቕ ምቅርራብን ዚሓትት ጕዳይ ኢዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ለውጥን ቀጻልነትን ዚሓቘፈ ኪኸውን ኣለዎ፤ ብሓደ መዳዩ፡ ለውጢ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዘበስር፣ በቲ ካልእ ድማ፡ ቀጻልነት ርጉእ ሰላም ዘረጋግጽ።

እቲ ዚድለ ለውጢ ኣብ ከርሲ ኤርትራ በቚሉ ኪስስን፡ ብኤርትራዊ ውሳኔን ጻዕርን ኪፍጸም፤ ሃገራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ርግኣትን ከውሕስ ኣለዎ። ኵሉ ሃገራዊ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ መሚዩ ከለሊ፣ ኣብ ኵሉ ንሃገረ ኤርትራ ዚምልከት ዞባውን ኣህጕራውን ጕዳያት፣ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኪጣበቕ፣ ነቲ ስርዓት ከቃልዕ ይግባእ።

ክንዲ ዚዀነ፡ ነቲ ውህደት መሳርዕ ሃገራዊ ቃልስና ዚዘርግ ጕጅላዊ፡ ወገናዊ፡ ሃሱሳዊ ተግባራት ኰነ ዋንነት ውሳኔናን ናጽነት ሜላናን ዚትንክፍ ውሽጣዊ ተጻብኦ ይዅን ግዳማዊ ምትእትታው ብትሪ ክንምክት ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ መመላእታ ዘቤታዊ ተቓውሞ’ምበር መተካእታ ስርዓት ህግደፍ ኪኸውን ከም ዘይክእል ምግንዛብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እመስለኒ።

2.     ቀንዲ መጻኢ ብድሆታት ሃገርና

2.1  ምትካል ቅዋማዊ ስርዓት፤

2.2  ምልቃቕ ፖለቲካዊ እሱራትን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዚተቐየዱ ዜጋታትን፤

2.3  ምትዕርራይ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤

2.4  ምምላስ ስደተኛታት፤

2.5  ምርግጋጽ ድሕነት፡ ሰላምን ርግኣትን ሃገር፤

2.6  ምስልሳል ኣሰጋጋሪ ፍትሕን ሃገራዊ ዕርቅን፤

2.7  ዳግመ-ስርርዕ ጸጥታዊ ጽላት፤

2.8  ምህናጽ ሃገርን መንግስትን።

3.     ገምጋም ውጽኢት ሕዳሰ-ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ከም ዚዝከር፡ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ ዞባና ሰለስተ ሃንደበታዊ ፍጻሜታት ተኸሲቶም፡- (1) ሕዳሰ-ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ (2) ምልዓል እገዳ ሕሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ (3) ምፍራም ስሉሳዊ ስምምዕ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልያን።

ሽዑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚጸንሐ መሪር ተጻብኦ ኣብቂዑ፡ መስርሕ ምሕዋይ ቍስሊ ናይቲ ኣዕናዊ ዶባዊ ኲናትን ሳዕቤናቱን ኪጅመር፣  ዕርቂ ናይ ክልቲአን ሃገራት ድማ፡ ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ከተባብዕ፡ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ተገይሩሉ ነይሩ።

ኰይኑ ግን፡ ሕዳሰ-ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ወርወርታ ጸሓይ መሲሉ ተሪፉ። ሕቶ ዶብ ኣይተፈትሐን፣ ኣብ ባይታ’ውን ኣይተመልከተን። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ጐቢጡ ዚሓዞ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ኣይወጸን። እተን ኣብ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ብዓጀባ ዚተኸፍታ መተሓላለፊታት፡ ብሃንደበት ተዓጽየን። ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ስሉሳዊ ስምምዕ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ቀለም ኣብ ወረቐት ጥራይ ኰይኑ ተሪፉ።  

ምስዚ ዅሉ ዘቤታውን ግዳማውን ብድሆታት፡ ግዜ ምሳና ከም ዘየለ ተገንዚብና፣ ቅኑዕ መኣዝን ሒዝና፡ ለውጢ ንምድራኽ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ፣ ኣብ ጽባሕ ለውጢ ድማ፡ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ በብዓቕምና፡ በብሞያና እጃምና ከነበርክት፣ ክንቅረብ ከም ዚግባእ ከዘኻኽር እፈቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ብዛዕባ’ታ ኣብ ጽባሕ ለውጢ እትህነጽ ሃገረ ኤርትራ ኪህልወና ዚግባእ ራእይ ብሰለስተ ምሉኣት ሓሳባት ክገልጽ እፈቱ። (1) ዜጋ መሰረት ሃገር ኢዩ፣ ብዘይ ዜጋ ሃገር የለን። (2) ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስ ዚሕሎ፣ ክብረት፡ መሰል፡ ናጽነት ናይ ኵሉ ዜጋ ይሕሎ። (3) መጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋም እትምስረት፣ ብሕጊ እትግዛእ፣ ሰብኣዊ ክብረት ዜጋታት እትሕሉ፣ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል እተውሕስ፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ፍትሕን ራህዋን እተስፍን ኪትከውን ኣለዋ።

ነዚ ራእይ’ዚ ክዉን ንምግባር፡ ነፍሲ ወከፍና  ነንገዛእ ርእስና፡ ለውጢ ኣብ ምድራኽ፣ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምርግጋጽ ኰነ ሃገርን መንግስትን ኣብ ምህናጽ እንታይ ከበርክት እኽእል፤ እንታይ ክገብር ከ ቅሩብ ኢየ፤ ኢሉ ኪሓትት ይግባእ። ለውጢ ምምጽኡ ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ዚዀነ እዋን፡ ምናልባት ቅድሚ’ቲ እንጽበዮ ግዜ ኪመጽእ’ውን ስለዚኽእል፡ተቐሪብና ዲና ንለውጢ ዚብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእሱ መልሲ ኪህበሉ  እዋኑ ዚኣኸለ ኰይኑ እስመዓኒ።

ጽን ኢልኩም ስለ ዚሰማዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

_____________________

For more information about the event, click here

_____________________