All updates

"ሃገራዊ ዕርቂ፦ ኣድላይነቱን ኣተገባብርኡን ኣብ ኤርትራ" - ፕሮፌሰር ዓወት ተ. ወልደሚካኤል

23/05/2019
ሃገራዊ ዕርቂ፦ ኣድላይነቱን ኣተገባብርኡን ኣብ ኤርትራ
ፕሮፌሰር ዓወት  ተ. ወልደሚካኤል

 

ሃገራዊ ዕርቂ እንታይ ማለት’ዩ?

ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ሓደ ዘይበሃግ ናይ ቅልውላው ኩነታት ንምንጋፍ፥ ወይ ሓደገኛ ኣንፈት ዝሓዙ ምዕባሌታት ንምውጋድ፥ ወይ’ውን ዘይዓረፈን ዘየቕስንን ናይ ጎነጽን ቅርሕንትን ታሪኽ እተደቅሰሉ መስርሕ ሓባራዊ ዘተ፡ ጸጸትን ሕውየትን’ዩ። ዕላማን ኣሰራርሓን ውጽኢትን ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ቦታ/ሃገር ናብ ቦታ/ሃገር ዝፈላሌ’ኳ እንተኽነ፥ ብድብድቡ ሃገራዊ ዕርቂ ልዕሊ ምቕጻዕ በደልቲ፥ ምኽሓስ ተበደልቲ ዘቐድም፤ እቲ እከይ መድረኽ ንኻይድገም ድማ ታሪኽ እናሰነድካን ተመክሮ ግዳያት እናቀረስካን (memorializing) ናይ ጽባሕ ሰላምን ስኒትን ሕብረተ-ሰባት እተውሕሰሉ፥ ናብ ሓድሽን ዝሓሸን ናይ ሕግን ፖሊቲካን ጸጥታን ስርዓት ዘሰጋግር ኣገባብን መድረኽን ኢዩ። ካብ እዉጅ መትከላት፥ ተልእኾ ስራሕን ኣገባብ ኣሰራርሓን መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ወጻኢ ኮይኖም ዝተረኽቡ ጉዳያትን ሰባትን ከኣ ናብ ዝምልከቶም ትካላት ፍትሒ ተመሓላሊፎም ዝግብኦም ፍርዲ ይረኽቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ግን፥ ኣብ ሞንጎ ተጻረርቲ ዝኾኑ ፖሊቲከኛታትን ውድባትምን (እንኮላይ መንግስቲ) ዝግበር ስምምዓት ከም ሃገራዊ ዕርቂ ይዝረበሉ ኢዩ። ማሕበረ-ቁጠባውን ፖሊቲካውን ጽልዋታት ናይ’ዞም ከምዚ ዝኣመስሉ መስርሓት ድሩት ሰለዝኸውን፤ ገለ’ውን ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላታት ሕብረተ-ሰብ ለውጢ ስለዘየምጽኡ (ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ንኩነታት ተራ ዜጋታት ሰለዘብእስዎ)፥ ሃገራዊ ዕርቂ ከም ናይ ሓያላን መሳርሒ ጥራሕ ወይ ከም ንጠቕሚ ሓያላት ዘገልግል ጉልባብ ክርአ ጌርዎ። እንተኾነ ግን፥ ነፍሲወከፍ ሃገር ኮነ ሕብረተ-ሰብ ዝኽተልዎ ዕላማታትን ትሕዝቶን ኣገባባትን ሃገራዊ ዕርቂ ብሽግራቶምን ዓቕምታቶምን ሰለዝውሰን፥ እቲ መስርሕ ሓደ ዓይነት (ዩኒፎርም) ባህሪ ወይ’ውን ኣድማሳዊ መምዘኒ የብሉን። ሰለዝኾነ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ንኹሎም ዝገጥሙና ዘለዉ ሽግራት ብሓባር ገምጊምና ዝበለጸ መማውጽኦ ይኾነና’ዩ ኢልና ዝተሰማማዕናሉ ዓይነትን ኣገባብን ሃገራዊ ዕርቂ ክንክተል ይግበኣና።

ስለምንታ’ዩ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ዘድሊ? ብኸመይከ ክትግበር ይኽእል?

ሃገራዊ ዕርቂ ከም ኣርእስቲ ክለዓል ከሎ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ሩዋንዳ ዝኣመሰለ ህልቂት ዘኸተለ ግጭት ስለዝርኣዮም ‘ንሕና ምስ ሓድሕድና’ዶ ባእሲ ኣለና’ዩ? ዘይ ምስ’ቲ ስርዓት’ዩ ባእስና. . .’ ብምባል ሃገራዊ ዕርቂ ከምዘየድሊ ይዛረቡ። እንተኾነ ግን ኣባላት እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ኤርትራውያን’ዶ ኣይኮኑን’ዮም? ገሊኦም ኣሚኖም ገሊኦም ክጥቀሙ ገሊኦም ከኣ ፈሪሆምን ተኣዚዞምን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ፖሊቲካዊ ትካል ኣባላቱ ዝኾኑን፥ ነቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝመርሖ መንግስቲ ድማ ዝኽተሉን ዘገልግሉን ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ኢዮም። መሰል እዞም ዜጋታት ምሕላው ናይ ፖሊቲካ ሜላ ዋይ ስትራቴጂ ዘይኮንስ ከም መሰረታዊ መትከል ክንኣምነሉን ክንሰርሓሉን ይግባእ።

ብተወሳኺ፥ እቲ ስርዓት ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞም ዘሎን ጌጋታትን በደላትን ብዓይኒ ግዳያት ክርኣዩ ከለዉ ብኻልኦት ተራ ዜጋታት’ዶ ኣይኮኑን ዝትግበሩ ዘለዉ? በቲ ሓደ ወገን፥ ግዳያት ኣብ ልዕሊኦም በደል ንዝፈጸሙ ካልኦት ዜጋታት (መን ኣዚዝዎም ብዘየገድስ) ቂም ክሕዙን ሕነ ክፈድዩ ክደልዩን ባህርያዊ’ዩ። ብቲ ካልእ ወገን ድማ፥ እቶም በደል ዝፈጸሙን ዝተጋገዩን ብጌግኦም ካይ ሕተቱን ኣካላዊ ድሕነቶም ንኸውሕሱን ምእንቲ ሓይሊ ክድልቡ ከምዝፍትኑን ምስ ዘይሰልጦም ድማ ወይ ክስደዱ ወይ’ከኣ ምዩቕ እና በሉ (ኣብ ፓራኖያ) ከም ዝነብሩን ሩዱእ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ቂም ናይ ገለ ዜጋታትን ናይ ካልኦት ዜጋታት ዘይተሓታትነትን ወይከኣ ስደትን ፓራኖያን ዝፍጠር ሃጓፍ ህዝቢ ናይ ምንቛትን ሃገር ናይ ምብትታንን ሓደጋ የኸትል።

ስለዝኾነ ድማ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ክኸውን ዝነበሮ ኣገዳሲ መስርሕ ኢዩ። ሕጂ ግን ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓንን ናይ ሓባር መጻኢና ንምውሓስን እቲ ዘሎና እንኮ ኣማራጺ ንኹሉ ዜጋ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዕርቂ ጥራሕ ኢዩ። ምኽንያቱ፥ እቶም ኣብ መእተዊ’ዚ ዓንቀጽ ዝተጠቕሱ ሃገራዊ ዕርቂ ዝጠልቡ ሰለስተ ተርእዮታት (ሴናርዮታት) ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ጎሊሖም ሰለዝርኣዩ። ንሳቶም ድማ፦ 1) ዘይደቀሰ ታሪኻዊ ሓድሕዳዊ ጎነጽ፤ 2) ሰፊሕ በደላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትን ዝፈጸመሉ ዘሎ ዘይርጉእ ህልዊ ኩነታት፤ 3) ከም ውጽኢት 1ን 2ን ዘይውሑስ ናይ መጻኢ ሰላምን ምርግጋእን ህዝብናን ሃገርናን። ሓንቲ ካብዘን ዘለስተ ሴናርዮታት ኣመና ዓባይ ክነሳ፥ ኣብ ሃገራና ግን ሰለስቲኤን ምህላውን መለክዒ ናይቲ እንርከቦ ገዚፍ ሀገራዊ ትራጀዲ ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ እዚ መስርሕ’ዚ ንዝሓለፉ ውሽጣውያን ጎነጻት ኣደቂሱ ሓድሽ ንኹሉ ዝሓቁፍ፥ መሰል ዜጋታት ዘኽብር፥ ንግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝን ብግሉጽነት ዝሰርሕን ፖሊቲካዊ ሃዋህው ከአንግድ ምተገበአ። ስለምንታይ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ ኣብ ካልእ መድረኽ ሓባራዊ መረዳእታ ከነማዕብለሉ ንኽእል ንኸውን፤ ዘይ ምዃኑ ግን ንህዝብናን ሃገርናን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣሰካፍን ዘሕፍርን ሓደገኛ መድረኽ ኣብጺሑና ኣሎ። ሓይሎምን ሃብቶምን ብዘየገድስ ድማ ዉሑዳት ሰባት ወይ ሓደ ጉጅለ ወይ’ውን ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል ዕንወትን እከይ ሃዋህውን ከውርድ ወይ በደል ክፍጸም ሰለዘይከኣል ‘ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣብርክቶ ወይ ሕመቕ እንታይ ኔሩ?’ ኢልና ክንሓትትን መልሲ ክንረክብን ኣገዳሲ ኢዩ። ብሓጺሩ ግን ነዚ ወሪዱና ዘሎ ኣዳራዕ ኩላትና ኤርትራውያን ዜጋታት መሳልላዊ (hierarchical) ሓላፍነት ኣሎና።

ብቐንዱ ናይ’ዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ሓላፍነት ዘለዎም፤ እቶም ነዚ ስርዓት ዝመርሑን ዘገልግሉን ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢዮም። ድሕሪ ዑዉት ሓርነታዊ ገድሊ፥ ነቲ ቃልሲ ዝመርሐ ወለዶ ንፖሊቲካ ከም ሞያ ስለዝሓዞ (ወይ ፖለቲከኛታት ዘለዝኾኑ) ካብ ናይቲ ሞያ ባህሪ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ኔሩ። ቀዳማይ ዕላማ ፖሊቲከኛታት ኣብ ስልጣን ክንዲ ዝኸኣልዎ ምጽናሕ’ዩ። እቶም ናይ ትማሊ ነጻነት ኣምጻእቲ ናይ ሎሚ ፖሊቲከኛታት ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ ጉልባባት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘይተኣደነ ጌጋታትን በደላትን ብምፍጻም ሃገር ኣብሪሶምን ህዝቢ በታቲኖምን ይርከቡ።

ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓበይቲ ካድራት ዝነበሩን ድሕሪ ናጽነት ማእከላይ ጽፍሒ ስልጣን ዝሓዙን ብስለትን ዓቕምን ተመክሮን ዝነበሮም ሃገራውያን ናይ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ መስመር ብምኽታል ካብ’ቲ ናይ መንግስቲ ኣካይዳ ክወጹን ኣማራጺታት ክትልሙን ኣይከኣሉን። እቶም ንመንግስቲ እናኣረሙን እናነቐፉን ንህዝቢ እና ኣንቀሑን ዝሓሸ መገድታትን ኣማራጺታትን ከአንግዱ ዝግብኦም ዝነበረ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ምኩራት ሰብ-ሞያን’ውን እንተኾነ፥ መብዛሕቲኦም ምስ ኣሰራርሓ መንግስቲ ርዒሞም። ሰኣን ሰማዒ፥ እቶም ዉሑዳት ፍሉይ ኣተሓሳስባ ኔሩዎም ኣማራጺታት ዘቕረቡ ሰበ-ስልጥን ኮን ምሁራትን ዓበይትን በብእዋኑ ድምጾም ኣጥፍኡን ጠፍኡን። ከም ሳዕቤኑ፥ እቲ ኣብ ነጻ ሀገርና ዝትከል ዝነበረ ፖሊቲካዊ ስርዓት ብዘይ ቀይድን ልጓምን ናብ ሓያል ዝኣንፈቶ ምህላል ብኣጋ ኣማዕቢሉ ምስ ግዜ ዳርጋ ካልኣይ ባህሪኡ ኮነ።

እቶም ዝተረፍና ተራ ዜጋታት ድማ፥ ገሌና ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታትን እቲ ግምባርን መንግስቲ ብንጥፈት ተዋሲእና። ገሌና ነቲ ስርዓት ብዘይ ሕቶም ገደብ ዘይብሉ ሞራላውን ዓይነታውን ደገፍ ኣበርኪትና (ገሌና’ሞ ኸኣ ጌና ሕጂ’ውን ነበርክት ኣለና)። ገሌና ካልእ ጉዳያትና ብምቕዳም ገሌና ድማ ኣይምልከተንን’ዩ ብምባል ካብ ማሕበረ-ፖሊቲካዊ ሂይወት ሃገርና እንኮላይ ብቐጥታ ካብ ዝምልከቱናን ዝጸልዉናን ማሕበራውያን ኮነ ሃገራውያን ጉዳያት ኣግሊልና ጸኒሕናን ኣለናን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ንሃገርና ኣብ ኲናት ካብ ምስዋእ ዘይፈራህና ካብ’ቲ ከም ዜጋታት ንመስለና ክንጣበቐሉ ዝግበኣና ዝነበረ መቃለሲ ባይታ ብምእላይ ብዙሓትና ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝዓበየ ናይ ዜጋ ሲቪካዊ ሓላፍነትና ሓንጊድናን በዲልናን።

ፖለቲካኛታትና ባህሪ ሞያኦም ካብ ለበሱ፤ ንፖሊቲካዊ ስርዓት ሃገርና ልጓም ክገብሩሉ ዝነበሮም ሰብ ዓቕሚ ወለድናን ኣያታትናን ሳንዳታትና ንርእሶም ተሎጒሞም ግዳያት ካብ ኮኑ፤ እቶም መንዚዕና መሰላትና ከነረጋግጽ ዝግበኣና ዝነበረ ዜጋታት ከኣ ሓላፍነትና ዘንጊዕና መሰላትና ክምጽወተልና ብምጽባይ ካብ ለመስና (disempowered ካብ ኮና)፤ መን’ዩ ተሓታቲ? መንከ ሓታቲ?

ኣብ’ዚ ህዝብናን ሀገርናን ዝርከብዎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ኩነታት ንምብጻሕ እምበኣር  ገሌና ብስራሕና ገሌና ድማ ብብኩራትና (by commission or omission) ኣበርኪትና ኢና። ሽሕ’ኳ ናይ ዝገበረን ናይ ዝቦኸረን ሓላፍነታት ዝተፈላለየ እተኾነ፥ ኩላትና ኤርትራውያን ዜጋታት መሳልላዊ ሓላፍነት ከም ዘለና ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ህዝብና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተረጊጹ፥ ኣብ ደገ ድማ ተሰዲዱ ተጎዛዝዩን እንኮሎ፤ ዓቕሚ ሰብና ተበታቲኑን ትካላትና በሪሰንን ኣብ ዘለዋሉ እዋን እምበኣር ብኸመይ መገዲ ኢና ንኹሉ ድኻማትን ጌጋታትን ገበናትን ክንጸበባጸብ? ንኹሉ ተጸባጺብና ንወጾ’ዶ? ካሕሳን ደበስን ዝግበኦም ግዳያትን ስድራቤታቶምንከ እንታይ ይኹኑ ክሳብ ሽዑ? ሰላምን ርግኣትን መጻኢ ወለዶታት ሃገርናኸ ብኸመይ’ዩ ክረጋገጽ?

ኣብቶም ጥሪዚ ሃገራዊ ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉን ብማዕሪኡ ሓላፍነት ዝስከሙን ሰባት ጥራሕ ምትኳር ነዞም ሕቶታት ነባሪ መልሲ ክረኽቡ’ዮም ምባል ጌጋ’ዩ። ኣብ ሓደ ህሞት ግዳያት ዝኾኑ ኣብ ካልእ በደልቲ ዝኾኑሉ፤ በደልቲ ዝነበሩ ከኣ ብተመሳሳሊ ምስ ምቕያር ቦታን ኩነታትን ግዳያት ዝኾኑሉ ኩነታት ውሑድ ኣይኮነን። ወላ’ቶም ንርእሶም ግዳያት ዘይኮኑ በደልቲ’ውን እንተኾነ ጽቡቕ ዘይረኸቡ ዝበዝሑሉ ግርምቢጥ ዝኾነ ኩነታት ኢና ዘለና። ስለዝኾነ’ዩ ድማ ህዝብናን ሀገርናን ካብ ናይ ሎሚ ጸበባን ናይ ጽባሕ ህውከትን ንምድሓን ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዕርቂ እቲ እንኮ ሰላማዊ ናይ መሰጋገሪ ኣማራጺ ዝኸውን። ወላ’ኳ ኣብ መንጎ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ እንተኾነ፥ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም (ወይ ክስከም ዝግበኦ) ኣብ ሓደ ጫፍ ከምዘሎ፥ በቲ ካልእ ጫፍ ድማ ፍጹም ዝተወጸዐ ግዳይ ኣሎ። መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ነቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግዳያት (ከምኡ’ውን ስድራቤታቶም) ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክሰርዖም ይግባእ። ፖሊቲካውን ጸጥታውን ካልኦትን ሮቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ነቲ ኮሚሽን ዕርቂ ዘቕውም ድንጋጌታትን ሕግን ነቶም በደልቲ ብኽመይ ክትሓዙ ከምዘለዎም ይሕንጽጽ። ልከዕ እቶም በደልቲ ማዕሬ ስልጣኖምን ቐጥታዊ ተራኦምን ሓላፍነት ዝስከሙ ከለዉ፥ ግዳያት ድማ ከከም ደራጃ ጎድኣቶም ክከሓሱን ደበስ ክረኽቡን ኣገዳሲ ኢዩ።

መስርሕ ሀገራዊ ዕርቂ ብኣላይነት ሃገራዊ ክዉንነታና እተንጸባርቕን ብቑዕ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ዘለዋን ናጻን ዘይ ሻራዊትን ሽማግለ ክካየድ ይግባእ። መዋቕር’ዛ ሽማግለ ወይ ኮሚሽን፤ ተልእኾኣን ናይ ግዜን ናይ ጉዳያትን ገደብ ስርሓን ድማ ብሓባራዊ ዘተን ስምምዕን ተወሲኑ ሕጋውነት ይለብስ። ኣቃውማ ሕብረተ-ሰብናን ታሪኽናን ኣብ ግምት ብምእታው፥ ኣላይነት መንፈሳውያን መራሕቲ፥ ያታውያን ሰበ-ስልጣን፥ ዓበይቲ ዓድን ምኩራትን ፍቱናትን ሃገራውያንን ወሳኒ ኢዩ።

ሽሕ’ኳ ብዙሓት ንሃገራዊ ዕርቂ ከም መቃለሲ ሜላ ክርእይዎ ዝኽእሉ እንተኾኑ፥ ነባሪ ሰላምን ስኒትን ዝረጋገጽ ግን ሃገራዊ ዕርቂ ከም ሰረተ-እምነት (doctrine) ሃገራውነትናን ከም እምነ-ኩርናዕ ፖሊቲካዊ ባህሊ ሃገርናን ጌርና ምስ እነስርጾ ኢዩ። ከም ተነቃፍን ዘገምታውን መስርሕ መጠን፡ ሃገራዊ ዕርቂ ንዝድለ ፖሊቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ዕላማታት ብዕግበት ንኽወቅዕ ምእንቲ፥ ኣጋባባቱን ውጽኢቱን ብቐያዲ ሕጊ ክወሓስ ይግባእ። ‘ተሓጺብካ ናብ ጭቃ’ ከይከውን ከኣ፥ ኣብ መወዳእትኡ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ነቲ ሕሉፍ ታሪኻዊ ጎነጽ ብምድቃስን ነዚ ሰፊኑ ዘሎ እከይ ዝኾነ ሞራላውን ፖሊቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ሃገርና ካብ ሱሩ ብምምሓውን፥ ብህያውነት ሃገራዊ ቅዋም ዝኣምን፥ ብሕጊ ዝግዛእ፥ መሰል ዜጋታት ዘኽብርን ንረብሓ ዜጋታትን ሃገርን ብንጡፍ ዝጣበቕን ስርዓትን ትካላትን ባህልን ከተኣታቱ ኣለዎ።

መደምደምታ

ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ዘድሊ ኣአሎ ዕርቂ፥ ፖሊቲካውያን ሓይልታት/ምንቅስቓሳት (እንኮላይ መንግስቲ ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ) ዝገብርዎ ናይ ስልጣንን ሃብትን ምምቕራሕን ልፍንቲ ምፍጣርን ዘገልግል ፖሊቲካዊ መሳርሒ ኣይኮነን። ሃገራዊ ዕርቂ ሓውሰ-ሕጋውን ሓውሰ-ፖሊቲካውን መስርሕ ኮይኑ ዕላሙ ድማ ኣብ ገጠራት ኮነ ኣብ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ኮነ ከበቢታትን ሕብረተ-ሰባትን ሰላማን ስኒትን ዘስፍን ቋንቋን ሜላታትን ብምጥቃም ካብ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ዝሓለፉን ዘለውን ጎነጻትን በደላትን ንምግልጋልን ንምሕዋይን ዘገልግል መሰጋገሪ ድልድል ኢዩ።

ዝሓለፉ ጎነጻት ንምድቃስ፥ ቂም ንምውጋድን ስኒት ንምስፋንን ዝግበር ናይ ሃገራዊ ዕርቂ መስርሕ ኣገደስቲ ካልኦት ጠቕምታትን ውጽኢታትን’ውን ኣለውዎ። ሓቂ ምንጋርን ሕሉፍ ምስናድን ሸነኻት ሃገራዊ ዕርቂ ብቐንዱ ዜጋታት ኩነታት ህዝቦምን ሃገሮምን ብዑምቀት ፈሊጦምን ተረዲኦምን ዋንነት ጉዳያቶም ዘረጋግጹሉ (ወይ empowered ዝኾኑልይ) መድረኽ ከበስር ይኽእል ኢዩ። መሰሎም ፈሊጦም ንነብሶምን ንካልኦት ዜጋታትን ዝጣበቑ ንቑሓት ዜጋታት ድማ ኣንጻር ኩሉ ናይ ሕግን ፖሊቲካን መሰላትን ሸርታሕታሕ ዋሕስ ህዝቦምን ሃገሮምን ይኾኑ። ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ገዚፍ ሃገራዊ ትራጀዲ ተገላጊልና ኣብኡ ንምብጻሕ ግን፥ ዓይነታዊ ህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ንምርግጋጽ ናይ ነፍሲወከፍና ውልቃዊ ምርጫ ኣነጺርና ምልላይ ይድልየና፤ ምኽንያቱ ሃገራዊ ዕርቂ ብነብስና ሰለዝጅመር።

ምስ ነብስና ክንዕረቕ፥ ንዝበደልናዮም ወገናትና ሓቀኛ ጣዕሳ ብምርኣይ ይቕሬታ ክንሓቶምን ብዓጸፋ ዝበደልናዮም ክንክሕሶም ድሉዋት ክንከውንን፤ ንዝበደሉና ድማ ናቶም ይቕሬታ ካይተጸበና ክንሓድገሎምን ክንክእል ምእንቲ ካብ ነናይ ውልቅና ውሻውያን ዓበይቲ ግጥማት ዕዉታት ኮይና ክንወጽእ ይድልየና።