www.eri-platform.org

12.05.2022

 

ስነ-ጥበባዊ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)

 

ወዲ ትኹል ሓደ ካብቶም ኣንጊሁ ንሰውራ ዝወፈረ መንእሰይ ኢዩ። ወዲ ትኹል ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ዝተጸንበርሉ እዋን ኣትሒዙ፡ በታ ዘይትምኖ ወናም ክራሩ፡ በቲ ውዕዉዕ ሃገራዊ ወኒ ዘበራብር ሰውራዊ ዜማታቱ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ዓቢ ፍናንን ሓቦን ዘስነቐ ኮዀብ ስነ-ጥበባዊ ኢዩ።

 

ጉጅለ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ቈመ ብፍላይ፡ በብእዋኑ፡ ሓያሎ ነቲ መድረኽ ዘንጸባርቑን ነቲ ሰውራዊ ኲናት ንቕድሚት ዚድርኹን ደርፍታት ኣቕሪቡ። እቲ ሰሚዕካ ዘይምኖ ዜማታት ወዲ ትኹል፡ ኣብቲ ነዊሕ መስርሕ ዕዉት ጕዕዞ ሰውራና ኣዝዩ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ  

 

ከም ኣብነት፡ይከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎጸሓይ ዕርበት ጸላእን ዋዜማ ዓወት ብረታዊ ቃልስን ዘበሰረት፡ ደረት ትርኢት ባና ናጽነት ዚዀለዐት ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ህቡባት ደርፍታቱ ኢያ። እዛ ደርፊ እዚኣ ወትሩ ህያው እያ። ሕጂ ከኣ፡ ወዲ ትኹል ከም ሰብ  ሓሚሙ። እቲ ንምሉእ መዋእሉ ንሃገርን ህዝብን ዝተበጀወ ስነ-ጥበባዊ፡ ወዲ ህዝቢ መጠን፡ እጃምና ከነበርክት፡ኣጆኻ ኣለናልካክንብል፡ ሓደ ካብቲ ክብርታት ባህልና ኢዩሞ፡ ንወዲ ትኹል ኣለናልካ ንበሎ። ብዓቢኡ ድማ፡ ንወዲ ትኹል ምሕረት ይኣዝዝ። 

 

www.eri-platform.org