www.eri-platform.org


31 ነሓሰ 2020

መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2020


ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ኣቐዲመ፡ በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2020፡ መበል 59 ዝክረ-ዓመት ጅማረ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ዮሃና እብል። 

ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ተባዕ ሃገራዊ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ሒደት መቓልስቲ መሪሑ  ምውላድ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት ኣበሲሩ። ድምጺ ናይተን ኣብታ ታሪኻዊት ዕለት’ቲኣ፡ ኣንጻር ጐባጢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ እምባ ኣዳል፡ ጋሽ-ባርካ፡ ዚተተኰሳ ቀዳሞት ጠያይቲ፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ኤርትራውያን፡ ብዓቢ ዓውታ ተቓሊሑ። ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ ሓድሽ ተስፋ ዘሪኡ፡ ሃገራዊ ወኒ ኣበራቢሩ። 

ኲናት ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኵሉ  ሰላማዊ  መንገድታት ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ምስ ተዓጽዎ ተገዲዱ እምበር መሪጹ ዘበገሶ ኣይነበረን። ከምቲ ፕረዚደንት ከነዲ ዚበሎ፡ “እቶም ሰላማዊ ለውጢ ዘይከኣል ዚገብሩ፡ ጐነጻዊ ሰውራ ዘይተርፍ ይገብሩ” ኰይኑ፣ ህዝብና ሰላማዊ ኣማራጺ ምስ ሰኣነ፡ ንመግዛእታዊ ጐነጽ ብሰውራዊ ጐነጽ ንምምካት ተላዒሉ። ስለዚ፡ እቲ ብረታዊ ተቓውሞ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ኪካየድ ዚጸንሐ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ኢዩ። ብፖለቲካዊ ዓይኒ፡ ርእሰ-ውሳኔ ክልተ ተመላላእቲ መሰላት ይሓቍፍ፡- መሰል ሃገርን መሰል ህዝብን። 

እቲ ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ ዓዋተ፡ ብሒደት ሓርበኛታት ዚተበገሰ ቃልሲ ሰፊሕ ደገፍን ተሳትፎን ህዝቢ እናኣዋህለለ ዓብዩ። እቲ መሪር ኲናት ሃገራዊ ሓርነት፡ ቀስ ብቐስ፡ ከም ቃጸሎ ናብ መላእ ኤርትራ ልሒሙ ሓያል ሰውራዊ ሃልሃልታ ኣባሪዑ፣ ብዙሕ ሓርጐጽጎጽ ዚመልኦ ዓቐበ-ቍልቍልን ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድን ሰጊሩ፣ ከቢድ መስዋእቲ ኣኽፊሉ፣ ኣብ መበል 30 ዓመቱ፡ ንጐባጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብፍጹም ስዒሩ ልዑላዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ። 

ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ንምጭባጥን ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካልን ተቓሊሱ። ምእንቲ  ናጽነትን ሓርነትን፡ ከቢድ መስዋእቲ ናይ ህይወት፡ ኣካላትን ንብረትን ከፊሉ፤ መዘና-ኣልቦ ግፍዒታት ተጻዊሩ። ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ፡ ብተባዕ ቃልስን መዘና-ኣልቦ መስዋእትን ሓርበኛ ተጋዳላይን ህዝብን ዚተረኽበ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። 

ኰይኑ ግን፡ ብረታዊ ቃልሲ ብምሉእ ዓወት ተዛዚሙ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ድሕሪ ምእዋጅ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ብናጽነት ንምምራጽ፣ ኣገባብ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ሕብረተሰቡ ንምውሳን፣ ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ምሕደራ ንምስታፍ፣ ኰነ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጕዳያቱ ንምምሕዳር ዛጊት ኣይከኣለን። 

መሰረታዊ ዕላማታት ቃልሱ ተጠሊሙ። ኣብ ኣደራዕ ምልካዊ ግፍዒ ወዲቑ፤ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መነባብሮኡ ንከየማዕብል፣ ህይወቱ ንከየመሓይሽ ኵሉ ዕድላት ተነፊጉ፤ ሎሚ፡ ድሕሪ ናይ 29 ዓመታት ናጽነት፡ ኣብ ሓሳረ-መከራ ናይ ክቱር ድኽነትን ጃምላዊ ስደትን ጥሒሉ ይርከብ። ሓምድ ዓዋተን ብጾቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብጃምላ ንኪስደድ ብረት ኣየልዓሉን። ሰማእታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብኣረሜናዊ ግፍዕን ሕሱም ድኽነትን ንኪሳቐ ኣይተሰውኡን።  

ከምቲ እቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ከእምኖ ዚደሊ፡ ጃህራ ኣየቕይሕ፣ ፕሮፓጋንዳ ሃገር ኣየማዕብል፣ ዘረባ መግቢ ኣይከውን፡ ኣይብላዕ ኣይስተ። ዘይፍጸሙ መብጽዓታት ኰነ ኣጉል ተስፋታት ቍጠባ ኣየልምዑ፣ መነባብሮ ህዝቢ ኣየመሓይሹ። ኪኖ ተደጋጋሚ ዘረባታት ዚኸይድ ማእቶታዊ ስራሕ ስለዘየለ፤ ተኽእሎ ምዕባለ  ሃገርና ባኺኑ፣ ኤርትራ ብዅሉ መምዘኒታት፡ ምስተን ኣዝየን ዚደሓራን ዚደኸያን ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰሪዓ። 

እቲ ፍርያም መሬት ከበሳን መታሕትን፡ ኩምራታት ዕቑር ማዕድናት፡ ሃብታም ማያት ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቢ ዞባዊ ክብሪ ዘለወን ወደባት ዚውንን ትጉህን ጻዕረኛን ህዝቢ፡ ብሓለጊ ጥሜት ኪግረፍ፡ ብጃምላ ኪስደድ፡ ፈቐድኡ ኪዋረድ፡ ብሓቂ ዘስደምም ግሪንቢጥ ኢዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ፡ እቲ ክብረት ዘይብሉ ሕፍረት ስለዘይስምዖ ደኣ’ምበር፡ ነቲ ገዛኢ ስርዓት’ውን ከሕፍሮ ምተገብአ።

ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ብሰሪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ጃምላዊ ዕሸጋ ኰነ እገዳ ቍጠባውን ንግዳውን ንጥፈታት፣ ንህዝብና ኣብ ሓደጋ ጥሜት ኣውዲቑሉ ዘሎ እዋን፤ ምስቲ ሓቀኛ ተዛማዲ ክብሪ ናቕፋ ዘይመጣጠን ሓረጣዊ መጠነ-ሸርፊ ብምስግዳድ፣ ብድርብ ዓመጽ ናይቲ ጨቐቕ እናበለ ካብ ወጻኢ ሓገዝ ዚሰድድን ኣብ ውሽጢ ሃንቀው እናበለ ሓገዝ ዚጽበን ህዝቢና፡ ውልቃዊ ሃብቲ ኣብ ምኽዕባት ይርከብ። ነዛ ሕማቕ እዋን ብህይወት ንምስጋር፡ ህዝብና ምትሕልላዩን ምትሕግጋዙን ብዝያዳ ከዐዝዝ፣ ኣህጕራዊ ኮም ድማ፡ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ህጹጽ ሓገዝ ከወፊ እጽውዕ።

ፍትሓዊ ሰላም፡ ርግኣትን ድሕነትን መሰረታዊ ኵነታት ንሰሳኒ ልምዓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብጀኦግራፍ፡ ብታሪኽ፡ ብባህሊ፡ ብስትራተጅያዊ ረብሓ ብቐረባ ዚተኣሳሰረ ኢዩ። ሃገራዊ ልዑላውነቱን ግዝኣታዊ ምሉእነቱን ዓቂቡ ድማ፣ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብሰላማዊ ሓባረ-ህላወ፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ኪነብር ዚደሊ ህዝቢ ኢዩ።

ብጠንቂ ባዕዳዊ ግህሰት መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓምሳ ካብዘን ዚሓለፋ ስሳ ዓመታት ኣብ ርሱን ወይ ዝሑል ኲናት ኪጽመድ ተገዲዱ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም ንምንጻፍ፣ ኢትዮጵያ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፡ ብቃልን ብግብርን፡ ከተኽብር ይግባእ። ከምኡ ምስ እትገብር፣ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ዚምስረት ሓድሽ ዝምድና ናይ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ምዅስኳስ ዚከኣል ይኸውን።

ርግጽ፡ እቲ ሓድሽ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቅዋማዊ ስርዓት ምርግጋእ ይጠልብ። ኣብ ኤርትራ ኰነ ኣብ ኢትዮጵያ ርጉእ ስግግር ብምርግጋጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኢዩ።

ኣብቲ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ስግግር እነካይዶ ቃልሲ፡ ሓድነት ወሳኒ ረቛሒ ናይ ዓወትና ኢዩ። ሎሚ፡ እቲ ኣብ መስርሕ ተቓውሞ ንሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዚማዕበለ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ባዕዳዊ ወራርን ከም እምነ-ዓረ ዚተረረ፣ ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትና ኰነ ሃገራዊ ሓድነትና ከም ህዝቢ፣ ውዱብ መጥቃዕትታት ይውርወሮ ከም ዘሎ ብንቕሓት ከነስተብህል፣ ሓቢርና ብኣድማዕነት ክንምክት ይግባእ። መንእሰያትና ብፍላይ፡ ሎሚ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ መተካእታ ዘይብሉ ንቑሕ ኣበርክቶ ኪትገብሩ ትጽውዑ ኣለኹም። 

ነቲ ዓዋተን ብጾቱን ዘበገሱዎ፡ ኣሰሮም ስዒቦም ዓሰርታታት ኣሽሓት ሰማእታትና ህይወቶም ዚኸፈሉሉ ዕላማ ንምዕዋት ንቃለስ። ኣብ ኤርትራ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ዕድል ዘረጋግጽ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል፣ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን፡ ጥርናፈኡ ከዕዝዝ፡ ንሓባራዊ ዕላማ ብሓባር ኪቃለስ፡ ህጹጽ ጠለብ ናይዚ እዋንና ኢዩ። 

በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ክድዓት ብምዅላፍ፣ ነቲ ጥልመት መበገሲ ዕላማታት ሰውራና ዘስዓቦ  ጸልማት ዘመን ናይ ዓመጽ ናብ ሰናይ ዘመን ናይ ፍትሒ ዚቕይር፣ ናጽነትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታትና ኣብ መዓላ ልምዓት ሃገርን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢን ዘውዕል፣ ኣብ ቅዋም ዚምስረት፣ ብናጻ ምርጫ ህዝቢ ዚቐውም፣ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘገልግል፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዚተክል፣ ለውጥን ርጉእ ስግግርን ንምምጻእ ሓድነትና ከነደልድል፡ ጥርናፈና ከነዕዝዝ፡ ቃልስና ከነሐይል እላቦ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!