www.eri-platform.org 

02.03.2022

ምዉቕ ዮሃና፡ ናትናኤል ተስፋጼን

ኮኾብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ተስፋጼን፡ በቲ ድሙቕ ዓወትካ ኣዚና ተሓቢንና፡ ጸባ ኣስቲኻና። መንእሰያት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሄኖክ ሙሉብርሃንን (5) መትከል ኢዮብን (መበል 12) ድማ በቲ ዓቢ ዓወትኩም ኣዚና ተሓቢንና፡ ጸባ ሰቲና።

ኣብቲ ኣብ 20-27 ለካቲት 2022 ዚተኻየደ ኣህጕራዊ ቅድድም ብሽክለታ፡ ዙረት ርዋንዳ (Tour du Rwanda) 2022 ኮኾብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን 1 ወጺኡ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን 5ይ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ ድማ መበል 12 ወጺኦም።

እዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ወጻኢ ስለ ዝጸንሑ ኢዮም ኣብቲ ኣህጕራዊ ቅድድም ብሽክለታ ኪሳተፉን ዘሐብን ዓወት ክጐናጸፉን ዝኸኣሉ። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ብጾቶም ግን፡ ብሰሪ ሓሳድ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዚተኸተሎ ሓፈሻዊ ምሕራም ጸረ-ኮቪድ-19 ክታበት ስለ ዘይተኸትቡ ናይ መገሻን ተሳትፎን ዕድል ተነፊጎም፤ እቲ ስፖርታዊ ዓቕሞም ብምጥቃም ንዐኦምን ንሃገሮምን ከመዝግቡዎ ዚኽእሉ ዚነበሩ ዓወት፡ ክብርን ረብሓን ድማ መኺኑ ተሪፉ።

ደጊምና ምዉቕ ዮሃና ንከዋኹብቲ ስፖርተኛታት ናትናኤል፡ ሄኖክን መትከልን።

www.eri-platform.org