www.eri-platform.org

10.02.2022

 

ቃል ሓዘን ብዕረፍቲ ኣቦና ብጹእ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

 

ሎሚ 9 ለካቲት 2022 ብጹእ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ መበል 94 ዕድሚኦም ከም ዝዓረፉ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ዕረፍቲ።

ብጹእ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንመንግስታዊ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተቓወሙ፣ ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተጣበቑ፣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንዚተኣስሩ ዜጋታት ምሕረት ኪግበረሎም ስለ ዝሓተቱ፣ በቲ ንዅሉ መዳያት ዓለማውን ሃይማኖታውን ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዚቈጻጸር: ንቡር ዘይፈልጥ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ብዘይ ኣገባብ፡ ክቡር መንፈሳዊ መዝነቶም ተሓዲጎም፣ ንኣስታት 16 ዓመታት ናይ ገዛ እሱር ኰይኖም ብምጽናሕ ዓሪፎም።

በዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዕረፍቲ ብጹእ ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንምእመናን ተዋህዶ ድማ ብፍላይ፡ ጽንዓት ይሃብ። ንብጹእ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንግተ ሰማይ የዋርስ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ በረኸት ራሕስን መንፈሳዊ ቅሳነትን ይግደፉ። ኣሜን።


www.eri-platform.org