[ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ - Eritrea People’s Sovereignty]


20.07.2020

ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምህናጽ ነባሪ ሰላም

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ መፋርቕ 2018፡ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክስተት ናይ ሰለስተ ሃንደበታዊ ምዕባለታት ተዓዚባ። ቀዳምይ፡ ሕዳሰ-ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ካልኣይ፡ ምልዓል ናይቲ ብሕሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተስገደደ እገዳ፤ ሳልሳይ፡ ምፍራም ስሉሳዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልያን።

እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ዘመነ መሪር ተጻብኦን ድስኩል ግጭትን ኣብቂዑ፣ መስርሕ ምሕዋይ ናይቲ ዘየድሊ፡ ኪውገድ ዚከኣል ዚነበረ፡ ኣዕናዊ ኲናት ዘስዓቦ ቍስሊ ንምጅማር፤ እቲ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ድሕነትን ርግኣትን ንምትብባዕ፤ ርጉእ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ኣብቲ ዞባ ንሓድሽ ዝምድና ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትሕግጋዝ ዘመቻችእ ሃዋህው ንምፍጣር፤ ልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢታትን ፈጢሩ።

እቲ ኣጽፋር ናይቲ ኣብቲ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ግን ከኣ ኣመና ተቐያያሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ስርዓተ ግጭት ናብቲ ጐደቦኡ ዚዀነ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ጋብላ ፈለግ ኒልን ከም ዚዝርጋሕ ኣዐርዩ ንጹር ኢዩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባ ናይ ድኹማት መንግስታትን ብልሽታዊ ስርዓታትን ኢዩ። ንሱ ብናዕቢ፡ ደሞክራስያዊ ሕጽረትን ሕማቕ ምሕደራን ዚልለ፣ ጃምላዊ ውሽጣዊ ምምዝባላት ናይ ህዝብታትን ክቱር ድኽነት ናይቲ ዓቢ ኣብዝሓ ናይቶም ህዝብታትን ዚፈጥር ዞባ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን፡ ሓያሎ ሓያላን ዓለም፡ ኣብ ክሊ ናይቲ እናዛየደ ዚኸይድ ጀኦፖለቲካዊ ውድድር፡ ንጡፍ ወተሃደራውን ባሕራውን ህላወ ኣንቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ኲናት ኣንጻር ሽበራ ዚተሰምየ ኣተኲሩ ዚነበረ ኣድህቦ ሕመኣ በቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን እናዓበየ ዚኸይድ ውድድር ንመደበራት፡ ወደባት፡ ጸጋታት ኰነ ዕድላት ናይ ዕዳጋታትን ወፍርን ተተኪኡ። ኣብኡ ድማ፡ ዘይርጉእ ኣሰራርዓ ሓይልታትን ብቐጻሊ ዚቀያየር ዝንቕ ናይ ዞባውን ኣህጕራውን ምሕዝነታት ሰፊኑ።

እቲ ሰላም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ኣረሜናዊ ስርዓት ቍጠባዊ ዕንወት፡ ፖለቲካዊ ልምሰትን ሕብረተሰባዊ ምብትታንን ኣምጺኡ፣ ነታ ሃገር ናብ ምድራዊት ገሃነም ቀይሩ ይርከብ። ኢትዮጵያ ዓቢ ዘይርጉጽነት ብዘንበድብድ ቃንዛን ሽቕታን ናይ ስግግር ትሓልፍ ኣላ። ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት፡ ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት ኣሉታዊ ስንብራት ዘምጽእ በይነ-ኤትኒካዊ ህውከትን ውሽጣዊ ምምዝባላትን ዘንበድብድ ግጭት ይስዕርር ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ መጻኢ ፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ንጹር ስትራተጅን ሓባራዊ ሃገራዊ ስምምዕን ኣብ ዘየለወሉ ኵነት፡ ዓቢ ሰግለለት ናይ መዋቕራዊ ዘይርግኣት የንጸላሉ ኣሎ።

ክንየው ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዚተኣወጀ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ’ተን ሃገራት ዚሓሸ ዝምድና ኣየምጽአን። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዚጸንሐ ምስሕሓብ ዛጊት ኣይተፈትሐን። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ማእከላይ ስልጣኑ ኣብ መላእ ግዝኣት ናይታ ሃገር ኪዝርግሕ ጌና ኣይከኣለን። ደቡብ ሱዳን ብበሰላ ኲናት ሓድሕድን ሓድሕደ-ህልቂታዊ ምቅትታልን ትሕመስ ኣላ። እቲ ኣብቲ ናይ ፈለማ ውግኣት ዚተዓወተ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ምድልዳል ዓበይቲ ብድሆታት የጋጥሙዎ ኣለዉ።

እምበኣርከስ፡ እቲ ኣብ መሬት ዚተኸስተ ኣመዓባብላ ናይ ፍጻሜታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ኣብቲ ነናይ ሓድሕደን ውሽጣዊ ኲነታት ድማ ብፍላይ፡ ብመንጽር ድሕረባይታ ናይዚ ጀኦፖለቲካዊ ኵነት’ዚ ኪግምገም ይግባእ። ካብቲ ዚሓለፈ ተመኵሮ ናይ 1991-1998 ምህሮ ብምቕሳም ድማ፣ እቲ ኣብ መንጎ’ቲ ናይ ድሕረ-ናጽነት ዚነበረ ብሕታዊ ዝምድና ናይ ኢሳያስን መለስን እዚ ዘሎ ናይ ድሕረ-ሕዳሰ-ምሕዝነት ብሕታዊ ዝምድና ናይ ኢሳያስን ኣቢይን ዚርአ ተመሳሳልነት ሻቕሎት ከላዕል ይግባእ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተራእየ ሕዳሰ-ምሕዝነት፡ ጌና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ትካላዊ ኣገባብ ዚሓዘ ንቡር ዝምድናታትን ኣየምጽአን ኣሎ። ምምላስ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምእላይ ናይቲ ወላዒ ኲናት፡ ማለት፡ ደምዳሚ ምዕላብ ጕዳይ ዶብ ኪምርኰስ ይግባእ 

ዋላ’ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 5 ሰነ 2018 ኢትዮጵያ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ከም እትቕበል ብወግዒ ዚኣወጀ እንተዀነ፣ ምኽላል ናይቲ ዶብ ኰነ ምንስሓብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ይዅን ሰፈራታት ትግራይ ካብቲ ዚተጐብጠ ግዝኣት ኤርትራ ዛጊት ኣይተፈጸመን። እቶም ኣብ መጎ’ተን ክልተ ሃገራት ብብዙሕ ዳንኬራ ዳግም ዚተኸፍቱ ኣርባዕተ ዶባዊ መሰጋገሪታት ብሃንደብት ተዓጽዮም። እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነት ቀለም ኣብ ወረቐት ኰይኑ ተሪፉ። 

እምበኣርከስ፡ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ምፍራም ናይቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጌና ኣብቲ ናይ ሽዑ ኵነት ዘለና ኢዩ ዚመስል። ነቲ ወላዒ ኰነ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ግጭት መዕለቢ ንምግባር ይዅን ንሕቶ ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዚተወስደ ዚዀነ ቈራጽ ስጕምቲ የለን። እዚ ህሉው ኵነት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዘየተኣማምን ባህርይ ናይ ሰላምን ኣጠቓልላሊ ዝምድናታትን ኰነ ነቲ ኣብቲ ኣዝዩ ተቐያያሪ ዞባ ዘሎ መዋቕራዊ ዘይርግኣት ናይ ክልቲአን ሃገራት የረድእ።

ነባሪ ሰላም፡ ኢትዮጵያ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፡ ብቃልን ብግብርን፡ ምኽባር፣ ከም መርኣያ ናይ ሰናይ ድሌት፡ ምትእምማን ንምዅስኳስን ነቲ ዚተመዛበለ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ተመሊሱ ንቡር መነባብሮ ዳግም ምህናጽ ንምፍቃድን፡ ወተሃደራታ ኰነ ምምሕዳርን ሰፈራታትን ትግራይ ካብቲ ዚተጐብጠ ግዝኣት ኤርትራ ምስሓብ፣ ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ በይነ-መንግስታዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ምምላስን ትካላዊ ኣገባብ ምትሓዝን ይሓትት። ሓንሳእ ግሉጽ ዚዀነ ንቡር መንግስቲ ንመንግስቲ ዝምድናታት ምስ ዚምስረት፣ ኵሎም እቶም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይተፈትሑ ጕዳያት፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ብመንገዲ ምይይጥ፡ ልዝብ ወይ፡ እንተድለየ፡ ብኣሳላጥነት ሳልሳይ ኣካል፡ ምፍታሕ ይከኣል።

ኣብቶም ንፍታሕ ተዘርዚሮም ዚቐርቡ ነጥብታት አጀንዳ፡ ቅድሚ ዅሉ ሕቶ ዶብ ኪስራዕ ይግባእ። ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እተን ክልተ ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓባር ዶበን ብልዝብ ኣብ ስምምዕ ኪበጽሓ የፍቅድ ኢዩ። ኣብ ስምምዕ ኪበጽሓ ምስ ዘይክእላ ግን፡ እቲ ውሳኔ ናይቲ ኮሚሽን ደምዳምን ቀያድን ይኸውን። ኣብ ክሊ ናይ ምዉቕ ዝምድናታትን ሓድሕዳዊ ሰናይ ድሌትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ተግባራዊ ፍታሕ ምምጻእ ይከኣል ኢዩ።

እቲ ብኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ዚድገፍ፡ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ዶባት ዚባርኽ ኣፍሪቃዊ መትከልን ልምዲን ቅቡል ኰይኑ፣ ምርግጋጽ ናይቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ነባሪ ፍታሕ ከዋድድ ይኽእል። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚነብር ህዝቢ ድማ፡ እቲ ኣዝዩ ዚወሓደ ምዝራግ ናይ ህይወት፡ ዝምድናታት ኰነ ሃገራዊ መንነት ከስዕብ ይኽእል። ብሓቂ፡ ነቲ ጕዳይ ዶብ ብመሰረት’ቶም መግዛእታዊ ውዕላት መዕለቢ ምግባር፡ ነቲ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቅንዕና ናይ ምድላይ ነባሪ ሰላም ምስ ኤርትራ ዚፍትን ኢዩ። 

[ IMAGE - MAP ]

ከም ምንጪ ናይ መነባብሮን መንነትን፡ መሬት ኣብ ኤርትራ ብከባብያዊ ሕግታት እንዳባ ብግቡእ ዚተደንገገ ኣበዋዊ (ናይ ኣበው) ውርሻ ኢዩ። ዋንነቱ ብሕታዊ ይዅን ኮማዊ ብዘየገድስ፡ መሬት ናይ ዓድታት ኢዩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ድማ፡ ደረታት ናይ መሬታ ብመንጽር’ተን ጐደቦ ዓድታት፡ እንተላይ እተን ስግር ዶብ ዚርከባ ዓድታት፡ ኣዳቒቓ ትፈልጥ ኢያ። እምበኣርከስ፡ ነቶም መግዛእታዊ ውዕላት መሰረት ብምግባር ኣካላዊ ምኽላል ናይቲ ዶብ፡ ብሓበሬታዊ ምይይጥ ምስ ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ ኣብተን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚርከባ ዓድታትን ብክኢላዊ ሓገዝ ናይ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራትን ኪሰላሰል ይኽእል ኢዩ።

ሎሚ ብዝያዳ ካብ ቅድሚ ሕጂ፡ መላኺ ኣገዛዝኣ ኣብ ኤርትራ ዘየዋጽእ፣ ዘይርግኣት ኣብ ኢትዮጵያ ሓደገኛ፣ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዘየተኣማምን ምዃኑ ኣጸቢቑ ተነጺሩ ኣሎ። ምርግጋጽ ነባሪ ሰላምን ህያው ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዚተቐየረት ኤርትራን ዚተረጋግአት ኢትዮጵያን፣ ክልቲአን ሃገራት ድማ ንቅዋማዊ ስርዓት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣሳታፊ ልምዓትን መብጽዓ ዚኣተዋ ኪዀና ይጠልብ። ምስ ግዜ፡ ሓደ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓታትን ናይ ሓባር ክብሪታት ናይ መጻኢ ሰላም፡ ግስጋሰን ራህዋን ንኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ኰነ ነቲ ዞባ ብዓቢኡ ዚተሃንጸ፡ ሓድሽ ዝምድና ናይ ምምዕባል ራእይ ምስልሳል ዚከኣል ኢዩ።