www.eri-platform.org

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ

  

ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

 

 

ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ


____________________




ንዝኽሪ ሰማእታት 

ነቶም ኤርትራ

መታን ኪትስእን ኪትስስንን

ህዝቢ ኤርትራ ድማ

መታን ናጻ ኪኸውን

ዚወደቑ 



____________________




ትሕዝቶ



____________________________________________________________




ምዕራፍ 1

መላለዪ


ኤርትራ ኣብቲ ብህውከት ዚልለ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ፣ ሳላ’ቲ ን30 ዓመታት ዚተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ሓርነት ዚጨበጠት፣ ኣብ 1993 ረፈረንደም ብምክያድ፡ ናጽነት ዚኣወጀት፡ ንእሽቶ ሃገር ኢያ። ይዅን’ምበር፡ ቅያ ዘበለ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዳ ከተብቅዕ፣ ኤርትራ ሎሚ ብስብርባር ናይ ዘይተማልአ ትጽቢታት፡ ናይ ዚተጠልመ መብጽዓታት፡ ናይ ዚበነነ ተስፋታት ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ግስጋሴ ጋዕዝያ ትርከብ። ዕስራን ክልተን ዓመታት ድሕሪ’ቲ ክዉን ኵነት (de facto) ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ምልካዊ ስርዓት እናተገርፈ፡ ዘይተኣደነ ጭቈናን ቀጻሊ ዘይቅሳነትን ይሳቐ፣ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ካብቲ ኣደራዕ ኪሃድሙ ይጽዕሩ ኣለዉ። ግጉይ ምርጫታት ሜላን ዚባኸነ ዕድላትን ንተኽእሎ ምዕባለ ኤርትራ ናብ ሓንቲ ራህዋ ዚሰፈና ዞባዊ ማእከል ንግዲ፡ ኢንዳስትርን ኣገልግሎታትን ዓጊቱ፤ ኣምሳይኡ፡ ኣብ ታኼላ ናይ ዝባኑ ዚቐልዐ ድኽነትን ኣጠቓላሊ ተነጽሎን ደቕዲቑዋ ይርከብ። 


ምድረ ዘመናዊት ኤርትራ፡ ከም መበገስን ሕመረትን ናይቲ ጥንታዊ ኣዅሱማዊ ስልጣኔ፡ በዓል ነዊሕ ታሪኽ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን ሓጺር ስእሊ ኣመዓባብላ ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ መግዛእታዊ ላቔባ ዌስትፋልያዊ ስርዓት (Westphalian order) ኣብ መሬት ኣፍሪቃ፡ ተቕርብ። ነቲ ብቐጻሊ ተጻብኦታት ግዳማዊ ምትእትታው ዚተዓናቐፈ ነዊሕ ጕዕዞ ኤርትራ ናብ ርእሰ-ውሳኔ ትድህስስ። ታሪኽ ጅግንነታዊ ዓወት ኣብ ቃልስን ዜሕዝን ፍሽለት ኣብ ዓወትን ተዘንቱ። ንመዝገብ ዕዮ መንግስቲ ድሕሪ ናጽነት ትግምግም፣ ንናይ ዘመናት ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም፡ ንናጽነት፡ ንፍትሕን ንራህዋን ዜማልእ፡ ንህዝቢ ሓቀኛ ስልጣን ዜውህብ፡ብግቡእ ዚሰርሕ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽ፣ ኣድላዪነት ተሃድሶን ዳግመ-ህንጸትን ተነጽር። 

ከም ቀዳመይቲ ናይተን ዓሰርተው ሸሞንተ ምዕራፋት ድማ፡ ምዕራፍ 1 - መላለዪ ሓጺር ጽማቝ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ በብተርታ ተቕርብ።  



____________________



ምዕራፍ 2

ኣደዃዅና ኤርትራ


ኣንበሳ ናቱ ተራኺ ክሳብ ዚህሉዎ፡ እቲ ዛንታ ናይቲ ሃድን ወትሩ በቲ ሃዳናይ'ዩ ኪውነን። 

- ኣፍሪቃዊ ምስላ


ኣደዃዅና ኤርትራ፡ ብዛዕባ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ሓጺር ሓፈሻዊ ስእሊ ተቕርብ። ኣብቲ ጥንታዊ ታሪኽ ናይቲ ዞባ ቈላሕታ ብምግባር ድማ፣ ኤርትራውያን፡ ከም ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ቅድሚ’ታ ምስ ኤውሮጳን ኤውሮጳውያንን ንፈለማ እዋን ዚተራኸቡላ ህሞት፣ ኣብ ታሪኽ ነዊሕ ህላዌ ከም ዚነበሮም ተረጋግጽ። ብዛዕባ ኣመዓባብላ ቅድመ-መግዛእታዊ ታሪኽ ናይቲ ዞባ መባእታዊ መግለጺ ትህብ። ነቲ ንኤርትራ ዘቕውም ሞዛይክ ወይ ሕውስዋስ ናይ ህዝብታት፡ ባህልታትን ቋንቋታትን ዚሰነዐ ሜትሪክስ ናይ ቀጻሊ ወራራት፡ ምንቅስቓስ ህዝብታት፡ ስደታትን ምትሕውዋሳትን ትድህስስ። ንክዉንነት ናይቲ ድሕሪ ምንቍልቋል ንግስነት ኣዅሱም፡ ንሓያሎ ዘመናት ዚሰዓበ፡ ክሳብ ምቕልቃል ኤውሮጳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃን መግዛእታዊ መዋእልን፡ ዚጸንሐ ቍርጽራጽ ስልጣናት ትገልጽ።


ኣደዃዅና ኤርትራ ብዛዕባ ኢጣልያዊ ወራር፡ ምንብርካኽን ምስማርን ናይቲ ቍርጽራጽ ስልጣናት ናብ ሓንቲ; ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ግዝኣት ዚተቘርነት፡ ኣሃዱ ትዝርዝር። ንኣሰናንዓ ሃገረ ኤርትራን ኣመዓባብላ ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መነንትን፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ዓመጽ መግዛእትን ተቓውሞ ግዙኣትን ዚኽሰት ስነመጐት ወይ ዳያለክቲክስ፡ ተዘንቱ። ነቲ ምብትታን ናይ ሙሶሊኒ ኢጣልያዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘበሰረ፣ ንቅልበሳ ዕድላት ናይ ሮመል ጀርመናዊ ኣፍሪቃ ኮር፣ ንስዕረት ጀርመን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ፍጹም ዓወት ሓይልታት ኪዳን ኣብ 2ይ ኲናት ዓለምን መንገዲ ዚጸረገ፣ ወሳኒ ዞባውን ዓለምለኻውን ስንብራት ናይ ስዕረት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ፡ ተጕልሕ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ፡ ከም ወሳኒ ዓውደ ውግእ ናይቲ ‘ዓቢ ባእሲ’ ኣብ መንጎ ሓይልታት ዓለምለኻዊ ‘ፋሺስትነትን ሊበራላዊ ደሞክራስን’ ኣብ መሬት ኣፍሪቃን፡ ከም ኣገዳሲት እምነ-ኵርናዕ ናይቲ ምህናጽ ዓወት ሓይልታት ኪዳንን ኣገልጊላ ከተብቅዕ፣ ኣብ መወዳእትኡ፡ ብሓይልታት ኪዳን ከም ዚተራሕረሐትን ከም ዚተጠልመትን፡ ተድምቕ።  



____________________



ምዕራፍ 3

ውጥን ምጕዝዛይ ኤርትራ


ነታ ብነገዳዊ ኣቃውማ ዚተመቓቐለትን ብቍጠባዊ ዓይኒ ነብሳ ክኢላ ኪትቅጽል

 ዘይትኽእልን ኤርትራ፡ ከም ምምሕዳራዊ ኣሃዱ ንምዕቃብ፡ ዚዀነ ጽቡቕ ምኽንያት

 የለን ..። ንዓኣ፡ ማዕር-ማዕረ’ቲ ባህርያዊ ደረታት ናይ ነቓዓ ምምቕቓል እቲ ቅኑዕ

 ፍታሕ ዚኸውን ይመስል። - ብሪጣንያዊ ንድፊ ውሳኔ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ.፡ ግንቦት 1949


እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምቕቓል፣ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንምጥፋእ፣ ኣብ እዋን ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዚተኣልመ ውጥን ምጕዝዛይ፤ ምስቲ ንምዕባሌኣ ዘዛሕተለ ምዝማት እቶታዊ ጸጋታት ኤርትራ፣ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ብዛዕባ ምብርባር ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ፣ እቲ ተኸታቲሉ ዚተኸስተ ሰንሰለት ፍጻሜታት፣ እቲ ከም ውጽኢቱ ዚሰዓበ ህውከት፣ እቲ ንኤርትራ ናብ ደንደስ ሕንፍሽፍሽን ጥፍኣትን ኣገማጊሙዋ ዚነበረ፡ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮን ፖለቲካዊ ኣካልን ጸናሒ በሰላ ዚገደፈ ብርቱዕ ‘ውጥረትን ጸቕጥን’ ተዘንቱ። ብዛዕባ ምጅማር ውዱብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ትገልጽ። ብመንጽሩ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ንምብርዓኑ ዚተፈጸመ ዝንቕ ናይ ብሪጣንያዊ ውዲታት፡ ኢትዮጵያዊ ምትእትታውን ናይተን ዓበይቲ ሓያላት ብድዐታትን፡ ትዝርዝር። እቲ ስዒቡ ዚተፈጥረ ዳይናሚክ፡ነቲ ካብ መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ሕጋዊ ጠለብ ኤርትራ ዓንቂጹ፣ ክርዳድ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሳቐየ ግጭት ዘሪኡ፣ ንጸጥታን ርግኣትን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሪጉ።   


____________________



ምዕራፍ 4

ምስግጋር ካብ ኤውሮጳዊ ናብ አፍሪቃዊ መግዛእቲ


ምእንቲ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ሕቡራት መንግስቲታት ኣመሪካ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ሰላም ኣብ ዓለምን፡

 እታ ሃገር (ኤርትራ) ምስታ መሓዛና ዚዀነት ኢትዮጵያ ኪትቍረን ኣድላዪ ይኸውን። 

- ጆን ኤፍ. ዳላስ 


እቲ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መሳርሒ ብምጥቃም፣ ነቲ ካብ መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ድሌት ኤርትራ ዓጊቱ፡ ንናይ ምስፋሕፋሕ ጠለብ ኢትዮጵያ ዘርወየ፣ ኣንጻር ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈደራላዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘስገደደ፣ ምውስሳብ ጆኦፖለቲካዊ ረቛሒታት ምስቲ ህርፋንን ውድድርን ናይተን ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኣብ ምዕራፍ 4 ምስግጋር ካብ ኤውሮጳዊ ናብ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ፡ ይዝርዘር። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ገይሩ ንመትከል ርእሰ-ውሳኔ ከም ዚገሃሰ፣ ብኸመይ ዚኣመሰለ ኣገባብ፡ ነቲ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ እዋን ዚሃሰየ ቀጻሊ ዕብለላ ኤርትራ ብሓደ ኣፍሪቃዊ ገጽ ዘለዎ ጨቋኒ ሓይሊ ከም ዘሳለጠ፣ ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ህዝባዊ ቍጠዐ ዘጐሃሃረን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ርእሰ-ውሳኔ ዘለዓዓለን፣ ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራላዊ ብይን ብመደብ ዚተፈጸመ ሓደገኛ ሸርሕን ሰላሕታዊ ምትሕብባር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምጽንባር ኤርትራ ናብ ንግስነት ኢትዮጵያን፣ ተስምር። 


____________________



ምዕራፍ 5

ጽንኩር ቃልሲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ


ኵሎም ህዝብታት መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኣለዎም። 

- ኣህጕራዊ ውዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት


ሕጋውነት መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብመንጽር ኣህጕራዊ ሕጊ፣ በቲ ድርብ ትርጕሙ ከም መሰል ናይ ሓንቲ ሃገርን መሰል ናይ ሓደ ህዝብን፣ ተፈጻምነት ናይቲ መትከል ኣብ ጕዳይ ኤርትራን፣ ኣብ ምዕራፍ 5 - ጽንኩር ቃልሲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ንሕጋዊ ጠለብን ንጡፍ ቃልስን ኤርትራ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብዚምልከት፣ ንፍሽለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምኽባር ናይቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻርተርን ኣዋጃትን፡ ተቃልዕ። ብተወሳኺ፡ ንተራ ግዳማዊ ምትእትታው፡ ኣብ ክሊ’ቲ ሽዑ ዚነበረ ዚተወሳሰበ መርበብ ናይ ጀኦፖለቲካዊ ረብሓታትን ተቐያያሪ ኪዳናትን፡ ከም ሓደ ሓላላኺ ረቓሒ ኣብ ኣመዓባብላ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ተነጽር።  


እዛ ምዕራፍ ንትንሳኤ ፍሉይ ሓባራዊ መንነት ከም ደራኺ ሓይሊ ኤርትራዊ ሃገራውነት፣ ምብርባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ዳይናሚክስ ናይቲ ዚሰዓበ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልስታት፣ ነቲ ዚተሓናኸረ ውሽጣዊ ምዕባለታትን፡ ነቲ ካብ ባዕዳዊ ዕብለላ ንምልቓቕ ዚተኻየደ መስርሕ ከቢድ ጕዕዞን ትዝርዝር። ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ንተኸታታሊ ምትእትታው ርእሰሓያላትን ጐበጣ ኢትዮጵያን ዚበደሀ ተቓውሞ፡ መስዋእቲታትን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ተብርህ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሳላ ወተሃደራዊ ዓወት ዚተረኽበ ታሪኻዊ ትግባረ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ሃገር ብምምጓስ፡ ምጭባጥ ናጽነት ንትግባረ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከፍቅድ ዘይምኽኣሉ ተጕልሕ።    


____________________




ምዕራፍ 6

ህንጸት መንግስትን ልምዓት ሃገርን


ዕላማና ኣብ ህንጸት መንግስቲ እቲ ዚዓበየ ደስታ ናይቲ ምሉእ’ምበር፣

ናይ ዚዀነ ሓደ ደርቢ ኣይኰነን። - ፕሌቶ


ምዕራፍ 6፡ ህንጸት መንግስትን ልምዓት ሃገርን፣ ነቲ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዚተመርኰሰ ‘ሰረት ናይ ቍጠባዊ ዕቤት፡ማሕበራዊ ስኒትን ግስጋሰን’ ዘንጽፍ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምህናጽ ዚተኣትወ ፈለማዊ መብጽዓ ናይታ ሓዳስ ሃገር ትገልጽ። ነቲ ደሞክራስያዊ መትከላት፡ ሰብኣዊ መሰላትን በርጌሳዊ ናጽነታትን ዘኽብር ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምስራት ዚተኣትወ ቃል ተመጕስ።


ብተወሳኺ፡ እታ ምዕራፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ‘ዘመናዊ፡ ብስነኪነት ዚደንፍዐ፡ብኣህጕራዊ ደረጃ ዚወዳደር ቍጠባ’ ንምህዳስን ንምምዕባልን ‘ደረጃ መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ህዝቢ ኤርትራ’ ንምምሕያሽን ዚነበረ ተስፋ ትገልጽ። ብዝያዳ ዝርዝራዊ መንገዲ ድማ፡ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ፣ ነቲ ኣሃዱኣዊት፡ ዓለማዊት፡ ስምርቲ፡ ደሞክራስያዊትን ማዕባሊትን ሃገር ናይ ምምስራት ፕሮጀክት ትግምግም፣ ነቲ እዉጅ ሜላታትን ክዉን ተግባራትን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ተነጻጽር። 



____________________



ምዕራፍ 7

ርእሰ-ምርኰሳን ናይ ኩፖን ቍጠባን


እቲ ከም ናትና ዝሓሰብናዮን ጽቡቕ ንኸገልግለና ዝተጸበናዮን መንግስትኹም፣ 

ካብቶም ኣብዚ መዋእልና ንኤርትራ ኪገዝኡ ዝረኣናዮም፡ እቲ ዚሓመቐ ኢዩ።

 - ነጋሽ ተስፋጋብር፡ ኤርትራዊ ሽማግለ


እቲ ኣብ መንጎ’ቲ ዘቤታውን ግዳማውን ሜላ ኤርትራ ዘሎ ዘይሃስስ ምትእስሳርን፡ ስንብራቱ ኣብ ኣመዓባብላ ናይቲ መንግስትን ኣብ ምዕራፍ 7፡- ርእሰ-ምርኰሳን ናይ ኩፖን ቍጠባን፡ ይግለጽ።እታ ምዕራፍ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምእዋጅ ናጽነት ዚተራእየ ኣወንታዊ ግዳማዊ ሃዋህውን ዚተሻሕሸሐ ኣህጕራዊ ሰናይ ድሌትን ደገፍን ትዝርዝር፤ ነቲ እቲ ኣወንታዊ ሃዋህው’ቲ ፈጢሩዎ ዚነበረ ምቹእ ዕድል ንሃናጺ ኣህጕራዊ ዝምድናታት ተገንዝብ፤ ነቲ ኣዕናዊ ዘቤታዊ ሳዕቤናት ኲናት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ብዚምልከት፡እቲ ስርዓት ዚተኸተሎ ሃንዳፍን ዓንቃጽን ሜላዊ ግብረ-መልስታት ትግምግም። ነቲ ደይ መደይ ተባሂሉ፡ ብሕሳብ ልዑል ሃገራዊ ረብሓ ርግኣት ናይቲ ስርዓት ንምሕላው ይዅን ርእሰ-ምርኰሳ ከም ሽፋን ናይ ግዳማዊ ተነጽሎ ናይታ ሃገር ንምጥቃም፡ ዚዝውተር ብልሃት ተቃልዕ።  


ብተወሳኺ፡ እታ ምዕራፍ፡ ንምትእትታውን ኣሰራርሓን ፖለቲካዊ ቍጠባ ናይ መቝነን ኣብ ዓንኬል ናይቲ ኣብ ቅልውላው ዚጠሓለ፣ እናንቈልቈለ ዚኸይድ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘስዓበ፣ ቍጠባ ትገልጽ። ነቲ ደልሃመታዊ ፍሽለት ናይቲ ስርዓት ኣብ ምምሕዳር ሃገራዊ ቍጠባ፣ ኣብ ምውዳድ ዘቤታውን ግዳማውን ምንጭታት ሃብቲ፣ ኣብ ምምላእ መሰረታዊ ጠለባት መነባብሮ ኰነ ምስሳይ ድራር ዕለት ህዝቢ፣ ትምርምር። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መሰረታዊ ድኽመት ሃገራዊ ቍጠባ ኤርትራ፡ ውጽኢት ናይቲ ግጉይ ሜላታት ወይ ፖሊሲታት መንግስቲ፣ጕሉሕ ጕድለት ብቕዓት፣ ኣባኻኒ ኣመሓዳድራ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ናይታ ሃገር ምዃኑ ትግምግም።   


_________________________



ምዕራፍ 8

ሓለንጊ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት


ናይ ውሽጢ ጸላኢ እንተዘይብልካ፡

ናይ ግዳም ጸላኢ ኪጐድኣካ ኣይክእልን ኢዩ።

- ኣፍሪቃዊ ምስላ


ምዕራፍ 8፡- ሓለንጊ ደረት-ኣልቦ ኣገልግሎት፡ ኣገዳስነት ናይ ኣብ ሕጊ ዚተመስረተ፡ ደረት ግዜኡ ዚሓለወ፡ ብግቡእ ዚትግበር መደብ ወይ ፕሮግራም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ኣብ ምህናጽ ዘተኣማምን ዕቑር ሓይሊ፡ ከም ሓደ ባእታ ናይ ስትራተጂ ሃገራዊ ምክልኻል፡ ተረጋግጽ። ንዕማም ናይ ሓደ ከም መተካእታ ናይ ገዚፍ ቀዋሚ ሰራዊት ዘገልግል፣ ኣብ ዘድለየሉ እዋን፡ከም ብቑዕ ረዳት ናይ ሓደ ቅርጡው ሞያዊ ሰራዊት ዚሰርሕ፣ ኣብ ንቡር ናይ ሰላም ግዜ ድማ፡ ኣብ ትግባረ ናይ ብመሰረት ውጡን ሃገራዊ ቀዳምነታት ዚሰላሰሉ፡ቁምነገር ዘለዎም ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ዚሳተፍ ዕቑር ሓይሊ ትንእድ። ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራዊ ሓርነት፡ ኣብ ኤርትራዊ መንሰይ ከም ልምዲ ዚማዕበለ ወፈያ ናይ ወለንታዊ ኣገልግሎት ኰነ ነቲ ከም መሳርሒ ናይ እዋን ኲናት ክተት ዚተገብረ ምትእትታው ግዱድ ክታበት፡ ዘበርከቶ መላኢ እጃም፡ ተዘኻኽር።


ብተወሳኺ፡ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ብመንጽር’ቲ ዘስዓቦ ብኽነት፡ ዘባኸኖ ኣማራጺ ፋይዳ፡ ዘኸተሎ ክስራን ሕጋውነት፡ ዚፈጠሮ ቅልውላው ጃምላዊ ፍልሰት ኰነ ነቲ ብጕድለታት ኣተገባብራ ናይቲ ፕሮግራም ዚመጸ ዕንወት፡ ትግምግም። ነቲ ከም ሓለንጊ ስቓይ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ስድራቤት ዘብርስን ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘማስንን ዘሎ፡ብዘይ ክፍሊት ግቡእ ጻማ ጻዕሪ ዚካየድ፡ ዘይሕጋዊ ተግባር ንጡፍ መወዳእታ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቃልዕ። ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ንመጻኢ ኤርትራ ድነ ዚኸድን፡ ደርማስ ምክልባት ናይቲ ኣዝዩ ኣፍራዪ ጸጋታት ሓይልሰብ ናይታ ሃገር፡ ትነቅፍ።   


_________________________



ምዕራፍ 9

ዝውታረ ሓይሊ ከም ልምዲ


ቍጥዐኻ ወይ ክፍኣትካ ህይወት ንከሕልፍ ኣይተፍቅድ - ብርግጽ፡ እቲ ህይወት ዘየኽብር፡ 

ንርእሱ ኪነብር ኣይግብኦን ኢዩ። - ለዮናርዶ ዳ ቪንቺ 



ኣብ ውሽጣዊ ዝምድናታት ናይ ሓደ ውድብ፡ ፍልልያት ይዅን ዘይምስምማዓት ኪህልዉ ንቡር ኢዩ። ከም ንቡር ተታሒዞም ድማ፡ ብልዝብ ኪፍትሑ ይግባእ። ምዕራፍ 9፡- ዝውታረ ሓይሊ ከም ልምዲ ኣብዚ ሕቶ’ዚ ዘተኰረት ኢያ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ንታሪኻውን ኣቀዋውማውን ጠንቅታት ናይቲ ኣብ ጕዕዞ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከም ፈታሕ ውሽጣዊ ዘይምስምማዕ ዚማዕበለ፡ ዝውታረ ሓይሊ ከም ልምዲ ኰነ፣ ነቲ ብመልክዕ ምድስካል፡ ምንካይ መዝነት፡ ምቕያር ስራሕ፡ ማእሰርቲ፡ ስቅያት፡ ቅንጸላ፣ ዚትግበር ተደጋጋሚ ዝውታረ ቀስቢ፣ ትትንትን። ነቲ ከም መቐጸልታ ዝውታረ ቀስቢ፣ ብመልክዕ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ዘይውሱን ቀይድታት፡ ስርዓታዊ ስቅያት፡ ፍርደ-ኣልቦ ቅትለታት፡ ድሕሪ ናጽነት ዚተዘውተረ ቀጻሊ መንግስታዊ ኣሰራርሓ፡ ተዳቕቕ። ብመንጽር’ዚ ድሕረ-ባይታ’ዚ፡ ንምልዓል ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ’ቲ ታሪኻዊ መሪሕነት ህግሓኤ፣ ነቲ ዚሰዓበ ምትፍናናት፣ ዘይሕጋዊ ቀይዲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጤኛታትን፣ ነቲ ተቓውሞን ናጻ ርእይቶን ንምድቋስ ዚተገብረ እገዳ ብሕታዊ ማዕከናት ዜናን፣ ትገልጽ።   


ብተወሳኺ፡ እታ ምዕራፍ ነቲ እቲ ስርዓት፡ነቶም ግዳያት ኣብቲ ጽሙው ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ህያው እንከለዉ ብምቕባር ዚፈጸሞ መድቈስቲ ናይ ውሽጣዊ ነቐፌታን ቅንጸላ ፖለቲካዊ ተቓውሞን ትዅንን። እቲ ዚተፈጸመ መድቈስትን ቅንጸላን፡ ነቲ ተቓውሞ ንምብርዓንን ንጀጋኑ ናይቲ ታሪኻዊ ተጋድሎ ኤርትራ ንናጽነት ብምፍርራሕ፣ ብዘይ ፍቶት ኣብ ትሕቲ ምልኪ ከም ዚንብርከኹ ንምግባር ዚዓለመ ኢዩ። እቲ ዚፍጸም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ወሰን-ኣልቦ ቀይዲ፡ ጽሙው ማሕቡስ፡ምስቲ ዅሉ ዘሕዝን ወይ ትራጀድያዊ ሳዕቤናቱ ነታ ሃገር፡ “ብሒም ትብል፡ ኣብኣ ትዴኻ!” ዚእምት ሓባሪ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ንውህለላ ስልጣን ኣብቲ ፕረዚደንሲ፡ ንምግላል ናይተን ቀንዲ መሓውራት መንግስቲ፡ ነቲ ስዒቡ ዚመጸ ‘ግዝኣት ሓደ ውልቀሰብ’ን፡ ምሒር ዚሳዕረረ ፖለቲካዊ ብልሽውናን ዓመጽን፡ ትዝርዝር። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ምዕራፍ፡ነቲ ቀይዲ በተኽ ኣጠቓቕማ ናይቲ፡ ከም መሳርሒ ናይ ፖለቲካዊ መድቈስቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ቀስቢ፡ ተጕልሕ። 


_________________________



ምዕራፍ 10

ፍልልይ ኣብ መንጎ ሜላን ግብርን


ስልጣን ናብ ብልሽውና ይደፋፍእ፣ ፍጹም ስልጣን ፍጹም ብልሽውና የምጽእ። 

- ሎርድ ኣክተን


ምዕራፍ 10፡- ፍልልይ ኣብ መንጎ ሜላን ግብርን ነቲ ሜላታትን ተግባራትን ናይቲ መንግስቲ፡ ብመንጽር ምምስራት ናይ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከተረጋግጽ እትኽእል፣ ሓንቲ ቅዋማዊት፡ ደሞክራስያዊትን ማዕባሊትን ሃገር፣ ተነጻጽር። ነቶም፡ እቲ ዚተሳእለ ሃገራዊ ቻርተር፡ እቲ ዚተሓንጸጸ ማክሮ-ቍጠባዊ ፖሊሲ፡ እቲ ዚጸደቐ ቅዋም ዚቐረቡዎም መሳርሒታት ሜላ፡ ከም መምዘኒታት ብምጥቃም፣ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ እዉጅ ሜላታትን ክዉን ተግባራትን ናይቲ መንግስቲ ዘሎ ደርማስ ዘይምምጥጣን ተቃልዕ። ነቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ቅርሱስ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ክዉንነት፡ ምስዚ ዘይምምጥጣን ናይ ሜላን ተግባራትን’ዚ ብምትእስሳር፣ እቲ ሱራዊ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ኣቀዋውማ ናይቲ ስርዓት ስለዚዀነ፣ እቲ ፍታሕ ሃገራዊ ምሕዳስ ምዃኑ ትድምድም። 


_________________________



ምዕራፍ 11

ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ቅልውላው  


እታ ዘመናዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ንጠለባት፡ ረብሓን ሃረርታን ህዝቢ ዘይተማልእ ኢያ - ኣግበሰን ክየህን 



ምዕራፍ 11፡- ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ቅልውላው፡ ተመክሮ ኤርትራ ኣብ ህንጸት መንግስትን ሃገራዊ ልምዓትን፡ ብመንጽር’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዚጸንሐ ክዉንነት ንምምዛን፣ ንገለ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ባህርይ ናይታ ካብ መግዛእቲ ዚተገላገለት መርኣያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚወጸ ጽሑፋት ትግምግም። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ንኤውሮጳዊ ውርሻ ስርዓተ-ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ተጕልሕን ምቹእነቱ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት ኣፍሪቃዊ ሕብረተሰብ ትምርምርን። ብዛዕባ’ቲ ባርነት፡ መግዛእትን ዝሑል ኲናትን ኣብ ምዕባለ ኣፍሪቃ ዘስዓቡዎ ስንብራት ተዘኻኽር። ባርነት ንኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዚቝጸር ናይቲ ኣዝዩ ዚዓበየ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰባ ዘሚቱ፣ መሃዚ ሓይላ ኣማሲኑ፣ ናይ ምምዕባል ዓቕማ ረሚሱ።ባዕዳዊ መግዛእቲ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታት ኣፍሪቃ ራስዩ፣ ጕዕዞ ባህርያዊ ኣመዓባብላኣ ዘሪጉ። ዝሑል ኲናት ንኣፍሪቃ ናብ ስነሓሳባዊ ዓውደ-ውግእ ቀይሩ፣ ቀዳምነታታ ኣስሒቱ፣ ዘይምርግጋእ ናይተን ፖለቲካዊ ስርዓታት ኣስዒቡ።


ብተወሳኺ፡ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ እታ ከም ላቔባ ናይቶም በቶም ኣብ ኤውሮጳ ዚተኻየዱ ኢንዳስትርያውን ፖለቲካውን ሰውራታት ዚተተኽለ ኤውሮጳዊ ስርዓተ-ሃገር ዚቘመት ኣፍሪቃዊት ሃገር፣ከመይ ኢላ፡ ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ዘጐሃሃረ ጸረ-መግዛእታዊ ሃገራውነትን ፓን-ኣፍሪቃውነትን ከም ዘለዓዓለትን፣ ነቲ መላኺ ጠባያት ናይቲ መግዛእታዊ መንግስቲ ብምውራስ ከም ዚቘመትን ትገልጽ። ቀጺላ፡ እዚ ጠባያት’ዚ ከመይ ኢሉ ነታ ካብ መግዛእቲ ዚተላቐቐት ናጻ ሃገር፤ ዚሰርሕ ወይ ተግባራዊ ምሕደራ ኣብ ምህናጽ፣ ርግኣት ኣብ ምስፋን፣ ቀጻሊ ልምዓት ኣብ ምጕንጻፍ፣ ብልጽግና ናይቶም ዚበዝሑ ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽ፣ ናብ ፍሽለት ከም ዘምርሓ ትድህስስ። ኣብ መወዳእታ፡ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ እታ መርኣያ ዘመናዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር፣ ከምቲ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዚተኸስተ ፍጻሜታት ዘረጋግጾ፣ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ከተቕርብ ኰነ ንረብሕኡ ኪትሰርሕ ብዘይ ምኽኣላ፣ ዓሚቝ ቅልውላው ናይ ሕጋውነት ኣጋጢሙዋ ከም ዘሎን፣ ጌና ዝርግቲ፡ ደቛሲትን ድኽምትን ምህላዋን፣ ትገልጽ። 


_________________________



ምዕራፍ 12

ኤርትራ - መርኣያ ትስፉው መጻኢ ኣፍሪቃ፧


መጻኢ ናይ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ርእየዮ፣ ትስፉው ድማ ኢዩ

- ዓብዱልራህሕማን ባቡ 



ምዕራፍ 12፡- ኤርትራ - መርኣያ ትስፉው መጻኢ ኣፍሪቃ ነቲ ታሪኻዊ መግዛእታውን ሃገራውን ትረኻታት፡ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ወግዓውን ተቓዋምን ኣረኣእያታት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ሃገራዊ ትረኻ ድማ፡ በቲ ካልእ፡ ተነጻጽር። ነቲ እተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዚፈሸላሉ ምጕንጻፍ ደሞክራስያዊ ምዕባለን ራህዋን፡ ናጻ ኤርትራ ኪትዕወተሉ ኢያ፡ ዚብል ዚነበረ ትስፉውነት ናይ ከም በዓል ዓብዱልራሕማን ባቡ ዚኣመሰሉ ተደናገጽቲ ተዓዘብቲ፡ ተመክሮ ኤርትራ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ትምጕት። እታ ምዕራፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ንትስፉውነት ናይ በዓል ባቡ ዘበገሰ ገስጋሲ ዕላማታት ናይቲ ብረታዊ ቃልስን ብጹእ ሃረርታን ፍጹም ተወፋይነትን ናይቶም ተጋደልቲ ሓርነትን፡ ኪትግብር ከም ዘይከኣለ ተረድእ። ብተወሳኺ፡ ብጠንቂ’ቲ ምጥፋእ ሕጋውነት ናይቲ ስርዓት ኰነ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ከማልእ ይዅን ንረብሓ ህዝቢ ከሰርሕ ዘይምኽኣሉ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ቅልውላዋት፣ ኤርትራ መርኣያ ትስፉው መጻኢ 


_________________________



ምዕራፍ 13

ተሳትፎ ኤርትራዊ ዳያስፖራ


ኣብ ኵሉ ውጹእ ማሕበራዊ ጕዳያት ከም ኣጻብዕቲ ዝተፈላለና ክንከውን ንኽእል፣ ኣብ ኵሉ ንሓባራዊ ግስጋሰ ዘገድስ ጕዳያት ግን ሓደ ከምታ ኢድ ክንከውን ይግባእ 

- ቡከር ቲ. ዋሺንግተን



መበቈል፡ ኣቃውማን ሃገራዊ ተራን ኤርትራዊ ዳያስፖራ ኣብ ምዕራፍ 13፡- ተሳትፎ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ካብ ምውላዕ ኲናት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ኣትሒዙ፡ ምስቲ ኣብ መስከረም 2001 ዚገንፈለ መንግስታዊ መድቈስቲ፣ በይነ-መንግስታዊ ግጭትን ዘቤታዊ ጸቕጥን፡ ከመይ ኣቢሎም፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ዚኸይድ፡ ሃገር እናገደፈ ናብቲ ዳያስፖራ ዚጽንበር ዋሕዚ ህዝቢ ከም ዚድርኹ፡ ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ተዛማዲ ብዝሒ፡ ሃብቲ፡ ጸጋ ትምህርትን ጥቡቕ ምትእስሳር ምስ ዓድን፡ ብኸመይ መንገዲ፡ ንኤርትራዊ ዳያስፖራ ምንጪ ናይ ገዚፍ ሓዋላን ኣገዳሲ ተዋሳኢ ሓይሊ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ህይወት ናይታ ሃገርን ከም ዚኸውን ከም ዚገበሩዎ፡ ትገልጽ። 


እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ኣብታ ሃገር ምቹእ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ እንተዚንጸፈሉ ነይሩ፡ነቲ ዘለዎ ብዝሒ ምትእስሳራትን ጸጋታትን ተጠቒሙ፡ ወፍሪ ንምትብባዕን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዝያዳ ኣድማዒ ኣበርክቶ ንምግባርን ዓቢ ተኽእሎ ከም ዚነበሮ፡ ትሕብር። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ኪኖ’ቲ ብሉይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምምቕቓላት ሰጊሩ ብምኻድ፣ ፖለቲካኡ ኬሕብር፡ ምሉእ ኣትኵሮኡ ናብቲ ምእንቲ ለውጢ ዚካየድ ጻዕሪ ከድህብ ከም ዘድሊ ተዘኻኽር። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ፖለቲካውያን ተቓለስቲ፡ ምንቅስቓሳትን መርበባት ሓበሬታን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ረብሓታት ሃገረ ኤርትራን ስርዓት ኤርትራን ዘሎ ፍልልያት መሚዮም ከለልዩ ሓርበኛዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎምን፣ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ብሃናጺ ተሳትፎን ተሓባባሪ ስራሕን፡ ኣብቲ ለውጢ ንምምጻእ፡ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምህናጽ ኰነ ሕብረተሰብ ንምቕያር ዚካየድ ቃልሲ ኣቀላጣፊ ተራ ኪጻወት፡ ተኽእሎ ከም ዘለዎን፣ ተስምር።


_________________________


ምዕራፍ 14

ኣብ ኣገልግሎት ኤርትራ


እቲ ርትዓዊ ሰብ ንነብሱ ናብ ዓለም የርዕም፤ እቲ ዘይርትዓዊ ግን ንዓለም ናብ ነብሱ ኬርዕም ኢዩ ሒዅ ዚብል።ስለዚ፡ ኵሉ ግስጋሰ ኣብቲ ዘይርትዓዊ ሰብ ኢዩ ዚምርኰስ።

- ጆርጅ በርናርድ ሸው



ደራሲ ብዛዕባ ቀራጺ ጽልዋታት ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታኡን፣ ወፈያኡ ንዕላማታት ሓርነት፡ ዳግመ-ህንጸትን ልምዓትን ኤርትራን፣ ግስጋሰ፡ ራህዋን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራን፣ ኣብ ምዕራፍ 14፡- ኣብ ኣገልግሎት ኤርትራ ይገልጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከም ማእከል ናይ ላዕለዋይ ትምህርትን ግብራዊ ምርምርን ንምሕዋይ ኰነ ንባንክ ኤርትራ ከም ምዕሩይ ማእከላይ ባንክ ንምህናጽ ዘካየዶ ጻዕርታት ተድምቕ። ንስርሑ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ኤርትራ’ውን ትትንክፍ። ብተወሳኺ፡ ንተራ ቀጻሊ ፕረዚደንታዊ ምትእትታዋት ኣብ ምዝራግ ናይቲ ትካላት ንምህናጽ ዚካየድ ጻዕርታትን፡ ኣብ ፈጽሚ በጺሖም ፍረ ከም ዘይህቡ ኣብ ምግባርን ትዝርዝር።  


_________________________



ምዕራፍ 15

ክእለ ዚከኣል ዚነበረ ኲናት


ኪውገድ ዘይከኣል ኲናት የለን። ኲናት ካብ ፍሽለት ሰብኣዊ ልቦና ኢዩ ዚመጽእ።

- ኣንድሩ ቢ. ሎው



ሕቶ ሰላምን ኲናትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምዕራፍ 15፡-ክእለ ዚከኣል ዚነበረ ኲናት ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ነቶም፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ኲናት፡ ኣብቲ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ዚተሓንጸጸ ዶብ ብምስምማዕ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዘኽእሉ ዚነበሩ ብዙሓት ዚባኸኑ ዕድላት፡ ተዘኻኽር። ኣስዒባ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብ-ኪዳን-ነበር ናብ ዘየድሊ ኲናት ገጹ ዚኸይድ ዚነበረ ሸታሕታሕ፣ ነቲ ሰብኣዊ ትራጀዲ ናይቶም ጥርዝያታት፣ ነቲ ኣመዓባብላን ዕንወትን ናይቲ ኲናት፣ ነቲ ተጻብኦታት ንምቍራጽ ዚተኻየደ ኣህጕራዊ ጻዕርታት፣ ትዝርዝር።


እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ንዛንታ ምብትታን ናይቲ ብውጡር ታሪኽ ናይ ወራር፡ ኲናትን ግጭትን ዚልለ፣ ጥንታዊ፡ ኵሉ-ተንከፍን ግድላውን፣ ሓሓሊፉ በቲ ኣብ ወሰናስን ናይቲ ናይ ሓባር ዶብ ዚተዘርግሐ፡ ዚተወሳሰበ ሓባራዊ ነገዳውን ባህላውን ምትእስሳር ዚጽሎ፣ ብናይ ቀረባ ሓባራዊ ቍጠባውን ስትራተጅያውን ረብሓታት ዚተኣሳሰር፣ ዝምድና ተዘንቱ። ብተወሳኺ፡ እቶም ብዙሓት ኣዕኑድ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከም ውሻላት ናይ ነባሪ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝ፡ ደረኽቲ ቍጠባዊ ውህደትን መልሕቕ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፡ ንምግልጋል ዘለዎም ተኽእሎ ተረጋግጽ። 


_________________________



ምዕራፍ 16

ርቡጽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ


 

ንዓይኒ ብዓይኒ ሕነ ምፍዳይ ንመላእ ዓለም ናብ ዓይነ-ስዉር ብምቕያር ይውዳእ። 

- ማሃትማ ጋንዲ  


 

ተራ ደራሲ ከም ኮሚሽነርን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (UNMEE) ኣብቲ ንስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምትግባር ዚተኻየደ ጻዕሪ ኣብ ምዕራፍ 16፡- ርቡጽ ምቍራጽ ተዅሲ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ዕዉት ስርሒት ህንጸት ሰላም ንምፍጻም   ተኽእሎ ዚነበሮ ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ቅርሱስ መኸተምታ ዘምርሐ ፍሽለት ክልቲኡ ወገናት ኣብ ምፍታሕ ናይቶም ቀንዲ ስርሒታዊ ጕዳያት፣ ፍሽለት ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውንዙፍ ስርሒታዊ ጕዳያት ፍታሕ ኣብ ምርካብ፣ ፍሽለት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ነቲ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ንምርግጋጽ ዚኣተዉዎ መብጽዓ ኣብ ምኽባር፣ ተዘኻኽር። 


_________________________



ምዕራፍ 17

ምውሓስ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን 


ኲናት፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዓወት ዘናዲ ውሳኔ ኢዩ። ዕርቂ ሰላም ነቲ ምንጭታት ናይቲ ግጭት 

ንምፍታሕን ኵነት ናይ ጃላነት ንምምላስን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ ኣድላይነት ናይ ዓወትን ስዕረትን 

ንምግላፍ ዚግበር ፈተነ ኢዩ። - ጂም ዋሊስ 


ምዕራፍ 17፡- ምውሓስ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ቀንዲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ነቲ ንምትግባሩ ዚተኻየደ ጻዕርን ትጸምቝ። ንግድፈት ወይ ዘይምቛም ናይታ መርማሪት ኮሚሽንን ምቛም ናይተን ኮሚሽናት ካሕሳን ዶብን ትገልጽ። ጽማቝ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ካሕሳ ዚበየኖ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ካሕሳ፣ ግዝኣታዊ ትርጕም ናይቲ ውሳኔ ምድራት ዶብ ኮሚሽን ዶብ፣ ኣገዳስነት ናይቲ ሕጋዊ ምምልካት ዶብ ኣብ ወረቐት (virtual demarcation)፣ ተቕርብ። ብተወሳኺ፡ ንተራ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ምኽባር ናይቲ ነፍሲ ወከፉ ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ዚኣተዎ ውዕላዊ ግዴታታት፣ ንፍሽለት ምርግጋጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ትግምግም።


ብተወሳኺ፡ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምምጻእ ዚተኻየደ ጻዕሪ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዚዓንቀፈ ስእነት ምግጥጣም ናይ ረብሓ፡ ስእነት ሓድነት ናይ ዕላማ፡ ስእነት ጥምረት ናይ ፖሊሲ፡ ትምዝግብ። ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓታት ናይቲ ኣሕዋት ህዝብታት፣ ነቲ ኣሸጋሪ ታሪኻዊ ተዘክሮ ንምህሳስ፣ ርጉእ ሰላምን ንቡር ዝምድናታትን ንምምላስ፣ ኣድላዪነት ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ኣልጀርስ፤ማለት፡ ዘይኵነታዊ ምቕባል ናይ ኢትዮጵያ ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተደረተ ዶብን ምኽባር መሬታዊ ምሉእነት ኤርትራን፣ ተጕልሕ፤


_________________________



ምዕራፍ 18

ምእንት’ዚ ኣይተቓለስናን!


 

ኣብ ሜዳ ንፉዓት ተጋደልቲ ኔርኩም። ብኣኹም ኣዚና ሕቡናትን ሰብ ምሉእ ተስፋን ኔርና። ኣብቲ 

ኲናት ስዒርኩም ናጽነት ኣምጺእኩምልና። ተፈሲህና ኔርና። ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ ሓደ ደርዘን 

ዓመታት፡ ህይወትና ብዝያዳ ዚኸርፍሐ ጌርኩሞ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራት ጥልያን፡ እንግሊዝ፡ 

ፈደረሽንን ኢትዮጵያን ነቢርና፤ ክነግረካ ዝወደይ፡ ምምሕዳርኩም ዘይብቑዕ፡ ኣገባብኩም 

ግዕዙይ፡ ባጤራኹም ክብረ-ኣልቦ ኢዩ። ሎሚ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ደቅና ኣብቲ ዚኸፍአ 

ክንወድቕ፡ ሕሱም ግርምቢጥ ኢዩ። - ሸቃ ዮሃንስ ወልደኣብዝጊ    

 


እዛ ደምዳሚት ምዕራፍ፡ ምዕራፍ 18፡- ምእንት’ዚ ኣይተቓለስናን! ነቲ እዚ ደራሲ፡ ምስ ብዙሓት ገዳይም ሓርበኛታት ኲናት ናጽነት ብሓበራ፡ በቲ ንኤርትራን ንህዝቢ ኤርትራን ዘሳቒ ዘሎ መንቀራቕሮ ዚስመዖም ዓሚቝ ጓህን ሓዘንን፡ ትገልጽ። ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚፈጸሞ ክድዓት፣ ነቲ ጥልመት ናይቲ ምእንትኡ ብረታዊ ቃልሲ ዚተኻየደሉን ዓበይቲ መስዋእትታት ዚተኸፍለሉን መብጽዓታት ናይ ናጽነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን፣ትነቅፍ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ምስቲ ባህግታትን ኣቐያሪ ዕላማታትን ብረታዊ ቃልሲ ዘሳኒ ምዕሩይ መንግስቲ ንምህናጽ፣ ኣድላዪነት መሰረታዊ ለውጥን ዳግመ-ቅየሳ ፖለቲካ ኤርትራን፡ ትሕብር።    

 


________________________________________________________




www.eri-platform.org