19.12.2016

መቕድም

ክስተት ናይዛ መጽሓፍ’ዚኣ ካብ ናብቲ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ታሪኻውን ዘመናውን እኩብ ፍልጠት፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ኤርትራ ዚካየድ ውሽጣዊ ክትዕ፣ ብኣረኣእያ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ተጋዳይ ሓርነት ናይ ምብርካት ድሌት ይብገስ። ኣብቲ ፈለማ፡ብዛዕባ ኤርትራዊ ተመክሮ ርእሰ-ምርኮሳ ኣብቲ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ዚተኻየደ ብረታዊ ቃልስን፣ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ዳግመ-ህንጸትን ልምዓትን ዚሰላሰል ስራሕን፣ ከም ዓለምለኸ-ታሪኻዊ ውርሻ ናይ ኵሎም ኣንጻር ጭኰና፡ድሕረትን ድኽነትን እናተቓለሱ፣ ናጽነት፡ደሞክራስን ራህዋን ንምስፋን ሃረር ዚብሉ ህዝብታት፡ ክጽሕፍ እየ ደልየ ነይረ። ብዘይ ጥርጥር፡ተመክሮ ኤርትራ ንኡድ ዓወታትን ዘሕዝን ፍሽለታትን ዚሓቘፈ ኢዩ።


ኣብቲ መዓልታዊ ስራሓት ህይወት መንግስታዊ ኣገልግሎት ምጥሓለይ ነቲ ናይ ፈለማ ሓሳበይ ብኣግኡ ከይፍጽም ኣደናጕዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ፡ባእታታት ናይዛ መጽሓፍ ከም መጽናዕቲ ኣብ “ምንዳቕ ሃገር፡ህንጸት መንግስትን ልምዓትን ኣብ ኣፍሪቃ፡- ጕዳይ ኤርትራ” ተኣኻኺቦም። እቲ መጽናዕቲ፡ብፍሬድሪኽ ኤበርት ስቲፍቱንግ ዚተባህለ ጀርመናዊ ትካል ኣብ ሚያዝያ 2010 ተሓቲሙ፣ ኣብ በርሊን፡ኣብ ፓርላማ ጀርመን (Deutsche Bundestag) ኣብ ኣኼባ ፓርላማዊ ሽማግለ ስራሕ ናይ ማሕበረ-ደሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን፡ኣብ 6 ግንቦት 2010 ቀሪቡ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኵነታት ኣብ ውሽጢ’ታ ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ፡ንድሌት ናይቶም ጀጋኑ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ዚጠልምን ንሃረርታ ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ ዚዀልፍን ኣንፈት ሒዙ ብቐጻሊ እናገደደ ምስ ከደ፣ ኣብ መወዳእትኡ እቲ ጽሑፍ ናብ “ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ - ታሪኽ ዓወት፡ጥልመትን ተስፋን” ኣምሪሑ። 


ኣብ መእተዊ ናይቲ ሳልሳይ ዓሰርተ ዓመት ናይ ናጽነት ኤርትራ ተሓቲማ ኣብ እትወጽኣሉ  ዘላ እዋን፣ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብዛዕባ መሰረታዊ ፍልልይ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃረርታን ዕላማታትን ናይቲ ምእንቲ ሓርነት ዚተኻየደ ታሪኻዊ ተጋድሎን እቲ ኣብ እዋን ናጽነት ተኸሲቱ ዘሎ ክዉንነትን ብሓደ ወገን እቲ ፍሹል ፖሊሲታትን ግብርን ናይቲ ብግቡእ ዘይሰርሕ መንግስቲ ድማ በቲ ካልእ ሓድሓደ መብርህታት ፈይ ከተብል ትሕልን።


እቲ ዚዓበየ ክፋል ናይ ዓቕሚ ኣዳም ህይወተይ ኣብ ዓንኬል ቃልሲ ኤርትራ ንሓርነት፡ ደሞክራስን ራህዋን ተጸሚዱ ኢዩ ኪዘውር ጸኒሑ። ብመንጽር’ዚ ናይ ዳርጋ ምሉእ መዋእል ጽምዶ’ዚ ትንታኔ ናይቲ መጽሓፍ ነቲ ብምርምር ናይ ቀዳማውን ካልኣውን ምንጭታት ዚሃብተመን ብፕሪዝም ናይ ውሽጣዊ ፍልጠትን መረዳእታን ብጽፈት ዚተነፍየን ናይ ገዛእ ርእሰይ ውልቃዊ ርእየት ወይ ጠመተ ይገልጽ። ብዛዕባ ኣብ ፍሉይ ኤርትራዊ ዓንኬል ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ዚተኸስቱ ሓፈሻዊ ፍጻሜታትን ብዛዕባ ገለ ድማ ብፍላይ ብኣካል ዝነበርኩዎምን የዘንቱ። 


እዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ’ቶም ግዜኦም ኣኺሉ ንክፉት ክትዕ ዚበሰሉ፣ ንሃገራዊ ጸጥታ ኤርትራ (ንጸጥታ ናይቲ ስርዓት ዘይኮነስ) ነቲ ምእንቲ ለውጢ ዚካየድ ውሽጣዊ ቃልሲ ይዅን ንድሕነት ናይቶም ገዳይም ናይ ቃልሲ ብጾተይን መሳርሕተይን ንሓደጋ ዘየቃልዑ ጕዳያት መምዩ ይትንትን። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክጽሕፍ እንከለኹ፣ኣብ ነባሪ ሓልዮተይ ንረብሓ ኤርትራ፣ ንድሕነት ናይቶም መዛኖይ ገዳይም ተጋደልቲ ሓርነት፣ ንክብሪ ናይቶም ምእንትኦም ህይወትና ብሓባር ከነውፊ ዝተሰልፍናሎም ዕላማታት ብምጽናዕ፣ ነዘን ቀያሕቲ መስመራት እዚኣተን ሓንጺጸ ከይሰግረን ወሲነ። 


ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፧ ታሪኽ ዓወት ጥልመትን ተስፋን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ህሉው ኵነታትን ኣንፈት መጻኢ ጕዕዞ ናይታ ሃገርን ህዝባን ኣብ ጽጹይ ሓበሬታ ዚተመርኰሰ ክትዕ ንምድራኽ ትሕልን። ኪኖ ኤርትራ ድማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፣ ብዛዕባ’ቶም መሰረታውያን ጠንቅታትን ቀንዲ ደፋእቲ ረቛሒታትን ናይቲ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዚተራእየ ምዕባሌታት ዘረጋግጾ ርኡይ ድኽመት ናይዘን ናይዚ እዋንና ኣፍሪቃውያን መንግስቲታት፣ ዚዓበየ ፍልጠት ዚዓመቘ መረዳእታን ዚዋዕወዐ ክትዕን ብምድራኽ ንዚበለጸ ግንዛቤ ናይቲ ንዳግመ-ኣቃውማአን ዘጋጥም ብድሆታት ከተበርክት ትዕልም። 


ሎሚ፡ሓምሳ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ምጽንቃቕ መግዛእታዊ መዋእል ዘበሰረ ምጭባጥ ናጽነት፡ እታ ተራ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከም መርኣያ ናይ ድኽመት ብግቡእ ዘይሰርሕ መንግስታዊ ምምሕዳር መነባብሮ ዜጋታቱ ዘየመሓይሽ ስርዓት ኰይና ኪትግለጽ ኣዝዩ ዘሕዝን ተርእዮ ኢዩ። ምፍዋስ ናይዚ ሕማም’ዚ ድማ ሕጋውነት ምምላስ ምዕሩይ ምሕደራ ምትእትታው፡ ግቡእ ኣገልግሎት ዚህብ ትካላዊ ዓቕሚ ምህናጽ ይሓትት።


ነቶም ነቲ ፈለማዊ ጽሑፍ ናይ ሓያሎ ምዕራፋት ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ኣንቢቦም ሓጋዚ ርእይቶታት ዝሃቡኒ ብዙሓት መሳርሕተይን ኣዕሩኸይን ልዑል ምስጋና አቕርብ። ስሞም ንኸይጥቀስ ንዘቕረቡለይ ምሕጽንታ ብምኽባር፣ ንዅሎም ብስቱሩ ዓሚቝ ምስጋናይ እገልጽ። ንመሳርሕተይ ኣብ ናጻ ዩኒቨርሲቲ ብራሰልስ (Vrije Universiteit Brussel) ንፕሮፌሰር ስተፋን ስሚስን ፕሮፌሰር ዮኣኪም ኩፕስን ንዓርከይ ፒተር ኣለክስያዲስ ናይ ጊብሰን፡ዳን & ክራቸርን (Gibson, Dunn & Crutcher LLP) ስለ’ቲ ሓጋዚ ርእይቶታቶምን ለባም ምኽሮምን ኣዝየ አመስግን። 


ብፍላይ ነቶም ነቲ ድርሰት ብምሉኡ ብምንባብ ኣዝዩ ጠቓሚ ርእይቶታትን እማመታትን ዚለገሱለይ፣ ንግዜኡ ኣስማቶም ብስቱር ዚተሓዝ፡ክልተ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይን ክልተ ገዳይም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ፍሉይ ምስጋና አቕርብ። ይዅን’ምበር ዚዀነ ጌጋ ኣብ ሓበሬታ፡ትንታኔ ወይ ትርጉም ምስ ዚህሉ ናተይ ናይ በይነይ ሓላፍነት ኢዩ።


ፍሉይ ምስጋና ንጁወል ኣፍላሎ ብሓቀኛ ዕርክነትን ቀጻሊ ደገፍን ወትሩ ኣብ ጐድነይ።


ኣብ መወዳእታ ግን ከኣ ቅድሚ ዅሉ ዚስራዕ፡ልዑል ሞሳ ንስድራይ ከቕርብ ይግባእ። ደቀይ ዮሃንስ ኣብራሃምን ኣዛዚን፣ በዓልቲ ቤተይ ኣልጋነሽ፣ ህያው ክስተትን መተካእታ ዘይብሉ ደገፍን ሂቦሙኒ። እቲ ቀጻሊ ምኽሪ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣልጋነሽ ነቲ ስራሕ ክዉን ጌሩዎ።