12.12.2016

መእተዊ ብ ግለኒስ ኪኖክ


ኣብ 1991፡ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ናብ ኣስመራ፡ ርእሰ-ከተማ ኤርትራ፡ ብምምራሽ፡ ናይ ሰላሳ ዓመታት ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ከም ዘብቅዕ ገይሮም። ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ዕዉታት ተጋደልቲ ሓርነት፡ ኣህጕራዊ ኮም ዚተዓዘቦ ረፈረንዱም ኣካይዶም፣ ብመሰረት ውጽኢቱ ድማ፡ ንህላወ ኤርትራ ከም ናጻ ልዑላዊት ሃገር ወግዓውነት ኣልቢሶም። 


እቲ እዋን’ቲ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መጋቢት 1988 ንኤርትራ ምስ በጻሕኩ ከም ዝረኣኹዎ፣ በቶም እስትንፋስ ንዘይህብ ኣረሜናዊ ኲናት እናመከቱ፣ ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ሕክምናን ሕርሻን፡ ዘደንቕ ምዕባለታት ዘመዝገቡ ህዝቢ ተስፋን ትጽቢትን ናይ ዚሓሸ መጻኢ ዚሰፈነሉ እዋን ኢዩ ነይሩ።


ብዙሓት ከም ዓንደብርሃን፡ ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ - ብድሕሪኡ ናይ ቀረባን ክቡርን ዓርኪ ዚዀነ - ዚኣመሰሉ ህይወቶም ምእንቲ ሓልዮትን ደገፍን ህዝቢ ኤርትራ ኰነ ስለ’ቲ ሓርነት ዘበሰሮ መብጽዓ ዘወፈዩ፡ ኤርትራውያን ተመነይቲ ጽቡቕ ረኺበ።


ኣብ መወዳእታኡ ሰላም ምስ ሰፈነ ድማ፡ ንሱን ካልኦትን፡ ንመስርሕ ተሃድሶን ዳግመ-ህንጸትን ናይቲ ብኲናት ዚዓነወ ቍጠባን ትሕተ-ቅርጽን ዚኣሊ ቅኑዕ ቍጠባውን ማሕበራውን ሜላታት ወይ ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ፡ ግዜ ኣይወሰዱን። እቲ መንግስቲ፡ ብመስርሕ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ጥዑይ ቅርጽታት ምሕደራን መሰረታዊ መሰላትን ዚተኸለ፡ ሰረት ናይ’ታ ሃገር ናይ መጻኢ ሕግታት ከንጽፍ ተኽእሎ ዘለዎ ቅዋም ዚነደፈ ኮሚሽን መዚዙ። ኵሉ ነገራት በቦታኡ ዚሓዘ መሰለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ብውሑዱ፡ ሰላማውን ውሑስን መጻኢ ተጸበየ።


እቲ ትራጀዲ ግን፣ እቲ ኣብ ግንቦት 1993 ዚነበረ ጽንብላት ናጽነት ምስዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ንቡር ኰይኑ ዘሎ ክዉንነት ናይ ስቅያት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ክቱር ቀይድታት ኣብ ልዕሊ ናጽነት ርእይቶ ምግላጽን ማሕበር ምምስራትን፡ ፈጺሙ ዘይቃዶ ምዃኑ ኢዩ።  


ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993፡ ዛጊት ምርጫ ኣይተኻየደን፣ እቲ ቅዋም ኣይተተግበረን፣ ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ፍቑድ ኣይኰነን። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንዕስራን ክልተን ዓመታት፡ ፍትሒ ኣብ ዘይርከበላን ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዚገነነላን ሃገር ኣብ ስልጣን ኰይኑ ኪመርሕ ጸኒሑ። 


ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ፡ “ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ”፡ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብቲ ዅሉ ኢዩ ብህያው ነቢሩ - ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ፣ ኣብ እዋን ናጽነት፣ ኣብቲ ደድሕሪኡ ዚተኸስተ ዓሚቝ ቅሬታ ዘስዓበ ግርንቢጥ። ኣብ ፈለማ ሰብዓታት፡ ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ናብ ቃልሲ ህዝቡ ምእንቲ ናጽነት ዚተሰለፈ፣ ከመይ ኣድማዒ፡ ውፉይን ተባዕን ምዃኑ ኣብቲ ኣብ እዋን ኲናት ምስኡ ኣብ ዘሕለፍኩዎ ግዜን፣ ዳሕራይ ንሱ ኣምባሳደር ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚነበረሉ፡ ኣነ ድማ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ ዝነበርኩሉ እዋንን፣ ተዓዚበ። ዜተኣማምን ቅንዕና፡ ትብዓትን ተወፋይነት ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ዘመስከረ፡ መሳጢ ታሪኽ ኣለዎ።


“ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ”፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ውልቃዊ ታሪኽን መዳርግቲ ዘይብላ መግለጺት ፍሽለታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መከራን ስቓይን ዘስፈነ መንግስትን ኢያ። ኣብቲ ኣብ ዚተፈላለዩ ጽፍሕታት ሓላፍነት ናይቲ ድሕረ-ናጽነት መንግስቲ ዘገልገለሉ እዋን፣ ዚስስኑ ትካላት ንምህናጽን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንምክልኻልን ሰሪሑ። ነተን ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይዛ መጽሓፍ ዘለዋ ምዕራፋት ኣብ እተንብበሉ፣ ብስጭቱ፡ ጓሂኡ፡ ቅሬታኡ ብግልጺ ትዕዘብ። እዚ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ከም ሓደ ካብ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተገሚቱ ዚነበረ ፕረዚደንት’ታ ሃገር፣ ከመይ ገይሩ ነቶም ናይ ቀደም ብጾቱ ከም ዚጸንጸለ፡ ፍልይ ንዚበለ ርእይቶን በርጌሳዊ ናጽነታትን ከም ዚደቘሰ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደወነኑ መንዚዑ ከም ዚገበተ፣ ዘቃልዕ ናይ ሓደ ውሽጣዊ ምስጢር ዚፈልጥ ብሕታዊ ታሪኽን ርድኢት ናይ ፍጻሜታትን ኢዩ። ሎሚ፡ ኩላትና ከም እንፈልጦን እዚ ደራሲ ከም ዘመልክቶን፣ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ሕሱም ተነፊጎሞ ኣለዉ። 


እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ብርግጽ፡ ብዛዕባ’ቶም ንኣፍሪቃን ንኤርትራን ዘጋጥሙወን ዘለዉ ብድሆታት ብዝያዳ ንክርዳእ ሓጊዛትኒ ኢያ፤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናበኣሰ ዚኸይድ ዘሎ ቅልውላው ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ ዚዀነ ሓበሬታ ትህብ። መርሓባ እትበሃልን እዋናዊትን ሕታም ኢያ፤ ንኤርትራውያን ድማ፡ ብዛዕባ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ምስጢራውያንን ጨፍለቕትን ዚዀኑ ስርዓታት ንምስማዕ ዘድሊዮም ጭብጢ ከም እትህብ እተኣማመን። 


ባሮነስ ኪኖክ ናይ ሆሊሄድ