28.Dec.2016


ሓተታ


ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ኤርትራ 



ሰንበት 18 መስከረም 2016 መበል 15 ዝክረ-ዓመት ቀይዲ ናይቶም ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህግሓኤ) ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣባላት ፓርላማ፡ ላዕለዎት መኰነናት ሰራዊትን ጋዜጠኛታት ብሕታዊ ማዕከናት ዜናን ኢያ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብታ ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ክድዓትን ተስፋን (2014) ዘርእስታ መጽሓፈይ፡ ገሊጸያ ከም ዘለኹ፣ ’ጸላም መስከረም ኤርትራ’ ተመልክት። 


ብናይ ጠቐነ ክስታት ሓንሳእ ምስ ቀየዶም፣ ነዞም ውሩያት ፖለቲካዊ እሱራት እዚኣቶም፡ መንግስቲ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ወግዓዊ ክሲ ኣየቕረበሎምን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣየቕረቦምን። ብስድራ፡ ብፈተውቲ ይዅን ብተኸታተልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንቡር መሰል ምብጻሕ ሓሪሙ፡ ኣብ ጽሙው ማሕቡስ ዳጒኑዎም ይርከብ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ኣበይ ከም ዘለዉ ይዅን ሃለዋት ኣካላውን ኣምሮኣውን ጥዕናኦም ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን። 


ብዘይ ክስን ፍርድን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽሙው ማሕቡስ ንዘይተወሰነ እዋን ምእሳር ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዲዩ ወይስ ኣይኰነን ዚብል ሕቶ፣ ሎሚ፡ ብመሰረት’ቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዚቐረበ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሕ.ሃ. መልሲ ምሃብ ይከኣል ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዕላማ ናይዚ ሓተታ’ዚ ኣጠቓላሊ ክትዕ ናይዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ’ዚ ንምቕራብ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣድላዪነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ፡ ሓድሓደ ትዕዝብትታት ፈይ ንምባል ኢዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ፡ ተራ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ካናዳ ድማ ብፍላይ፡ከጕልሕ ኢዩ።   

ኣብዚ፡ ካብ ፈለምኡ፡ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘይንጸል ኣካል ናይቲ ሓፈሻዊ ቃልሲ ንደሞክራሲን ንግዝኣተ-ሕግን ምዃኑ ኣጸቢቑ ኪንጸር ይግባእ። እዘን ኣገደስቲ ባእታታት እዚኣተን፡ ካብ ሓድሕደን ዘይነጻጸላ ኢየን። ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስያዊ መትከላትን ምስ ምልኪ ዘየሳንያ ምዃነን ተመክሮ ይሕብር። ብርግጽ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣዝዩ ጥቡቕ ዚዀነ ምትእስሳር ኣሎ። 


ብኣበሃህላ ናይቲ ውሩይ ብሪጣንያዊ ፈራዳይ፡ ቶም ቢንግሃም (2010)፣ ግዝኣተ-ሕጊ “ንዅሎም ሰባት፡ ትካላትን ኣካላትን፡ መንግስታዊ ይዅኑ ብሕታዊ፡ እንተላይ ነቲ መንግስቲ ንገዛእ ርእሱ፡ ብዕሊ ንዚተኣወጁ፡ ብማዕርነት ንዚትግበሩ፡ብናጽነት ንዘፍርዱ፡ ምስ ኣህጕራዊ መምዘኒታት ሰብኣዊ መሰላት ንዘሳንዩ፡ ሕግታት ተሓተትቲ ዚገብር መትከል ኢዩ”። 


ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ኵሎም ሰባትን ትካላትን፡ መንግስታዊ ይዅኑ ብሕታዊ፡ ንሕጊ ይምእዘዙ፣ ኣብ ትሕቲ ፍትሒ ዜመሓድር ሕጊ ተሓተትቲ ይዀኑ። ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዚኽተል ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ተግባራት መንግስትን ህዝብን’ዩ። ኣብ ከምዚ ናይ ኤርትራ ዚኣመሰለ ግዝኣተ-ሰብ ዚሰፈኖ ምልካዊ ስርዓት ግን፡ ምሕደራን ኣነባባርን፡ ብዊንታ ውልቀሰብ ወይ ጸቢብ ጕጅለ ውልቀሰባት ይውሰንን ይቕየርን።  


እስከ ንእዋናዊ ሃለዋት ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ኤርትራ ብመንጽር’ቲ ህሉው ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ድንጋገታት ንመልከት።

ብሃገር ደረጃ፡ ኤርትራ (1) መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ናጽነታትን ዘረጋግጽ ዚጸደቐ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስትን (2) ትሕዝቶን ኣተገባብራን ዘነጽር ሲቪላውን ገበናውን ሕግታትን ኣለዉዋ። ብኣህጕራውን ዞባውን ደረጃታት፡ ኤርትራ ኣባል ሃገር ናይ ሓያለ፡ ከም (1) ኣህጕራዊ ውዕል ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት (2002)፣ (2) ኣፍሪቃዊ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት (1999)፣ (3) ውዕል ምውጋዝ ግዱድ ሽቕለት (2000)፣ (4) ውዕል ኣንጻር ስቅያት (2014)፣ ዚኣመሰሉ ኣህጕራውን ዚባውን ውዕላት ኢያ። 


እቲ ሽግር፡ ህላወ ናይዞም ሕጋዊ መሳርሒታት እዚኣቶም ኣብ ወረቐት ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ግብሪ ኣይወዓሉን። እቲ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም ዛጊት ኣይተተግበረን። እቶም ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ኰነ ኣገባባቶም፡ ብግቡእ ኣይተተግበሩን። እቶም ኣህጕራዊ ድንጋገታት ከም ዘየለዉ ተረሲዖም። ዘቤታዊ ተሓታትነት፡ ዞባዊ ክትትል ኰነ ኣህጕራዊ ኣስገዳድነት ዘረጋግጽ ኣገባብ ወይ መካኒዝም የለን።


እምበርኣርከስ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ሃዋህው ናይ ቅዋማውን ሕጋውን ባዶሽ ኢዩ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ [Report of the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea, A/HRC/32/47, 9 May 2016] ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዚቝጸሩ፡ ጃምላዊ፡ሰፊሕን ዚተዋደደን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዚፈጸሙ ንምእማን ዜኽእል ርትዓዊ መበገሲታት ከም ዘለዉዎ ዚደምደመ። እቲ ዝርዝር ክሲታት ገበን “ካብ 1991 ኣትሒዙ ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ሰብ ኣሲርካ ሃለዋቱ ምስዋር፡ ስቅያት፡ ግፍዒ፡ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን’ የጠቓልል።  

ኤርትራ፡ መሰረታዊ ሕጋውን ትካላውን ጽገና ከይገበረት፡ ተሓታትነት ናይዞም ገበናትን ግህሰታትን እዚኣቶም ከተረጋግጽ ከም ዘይትኽእል ብምግንዛብ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኵነታት ናብ ኣኽባር ሕጊ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ (ኣ.ገ.ቤ.) ከወክሶ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (ኣ.ሕ.) ምርምር ከካይድን ኣገባብ ተሓታትነት ከቕውምን፣ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ሃገራቱን ድማ ኣብ ሃሃገረን ንዚህልዉ በቲ ገበናት ዚጥርጠሩ ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ወይ ናብ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ንከቕርባ ዘለወን ግዴታ ከማልኣ ተላብዩ።


ኣብዚ፡ መርማሪ ኮሚሽን፡ ‘ገበናት ከም ዚተፈጸሙ ዘእምኑ ርትዓዊ መበገሲታት ኣለዉኒ’ ደኣ’ምበር ‘ገበናት ተፈጺሞም’ ከም ዘይበለ ምግንዛብ የድሊ። ብተወሳኺ፡ እቲ ከም መወከሲ ዚወሰዶ ገደብ ግዜ ንብምሉኡ’ቲ ቀዳማይ ዓሰርተ (10) ዓመታት ዕምሪ ኤርትራዊ ሃገርነት ዘጠቓልል ብምዃኑ፡ ብቐንዱ ድማ፡ ኣብ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ደረቱ ጥሒሱ፡ እንተላይ ንሕጋውነት ሃገረ ኤርትራ ስለ ዚሃሲ፡ ጥርጥር ዘሕድሩ ሽግራት ኣለዉዎ።


መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ዚዀነ በደል ከም ዘይብሉ ብምኽሓድ፡ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ፖለቲካዊ መበገሲ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኤርትራዊ ዳያስፖራ ንርእሱ፡ ኣብ መንጎ ደገፍን ተቓውሞን ንመደምደምታትት መርማሪ ኮሚሽን ተፈላሊዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ተቓዋሚ ክፋል ናይ ዳያስፖራ ንሓድሕዱ ተመቓቒሉ፡ ተበታቲኑ፡ ተተፋኒኑ ኣንጻር ሓድሕዱ ብርቱዕ ውሽጣዊ ኣሉታዊ ጸዓት ከመንጩ ጸኒሑ።ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣብ ዳያስፖራ፡ ብኸመይ ፍልልያቱ ኣወጊዱ፣ ምትፍናኑ ነኪዩ፣ ምእንቲ ስሩዕ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ብሓባራዊ ራእይ ዚምራሕ ዚተሓተ ናይ ሓባር ፕሮግራም፡ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ኪሰርሕ ይኽእል፧  


ቅድም ቀዳድም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ‘ሃገረ ኤርትራ’፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ’፡ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ዘሎ ፍልልያት ብግቡእ ምግንዛብን ብንጹር ምምማይን ይግባእ። ‘ሃገረ ኤርትራ’ ንህዝቢ፡ ንሃገር፡ ንመሬትን ንመንግስትን ኣጠቓሊላ እትሓቍፍ መሬት ዓደቦ ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ኢያ። ‘ህዝቢ ኤርትራ’ ማለት ንዅሎም ዜጋታት ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ’ቲ ናይ ነገድ፡ ናይ ቋንቋ፡ ናይ ባህሊ፡ ናይ ሃይማኖት፡ናይ ዞባ ብዙሕነቶም ጠርኒፉ ይሓቍፍ። መንግስቲ ድማ፡ ነቲ ስልጣን ገቢቱ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይምልከት። 


ህዝብን ሃገርን ነበርቲ ኢዮም፣ ናጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ጸናሕቲ ኢዮም፣ እዚ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ከም ኵሎም ስርዓታት፡ ሓላፊ ኢዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ከያዲ ኢዩ፣ ብርግጽ፡ ብዚቐልጠፈ ምኻዱ፡ ዚበለጸ። ዕምሪ ስልጣኑ ምሕጻር ወይ ምንዋሕ ድማ ፍጹም ኣብ ኢድ’ቲ ኣብ ሃገርን ኣብ ስደትን ዚነብር ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ውድቀት ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ብምቅልጣፍ ሓዲሽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኣብ ኢድ ህዝቢ ኢዩ።


ብግብሪ፡ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ፕሮ-ደሞክራሲ ሃገራውያን ኤርትራውያን፡- (1) ልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ድሕነትን ሃገረ ኤርትራ ንምዕቃብን ንምክልኻልን፣ (2) ረብሓ፡ ሓድነትን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ንምዕባይ፣ (3) ነዚ ምልካዊ ስርዓት ንምቅላዕ፡ ንምንጻልን ንምድኻምን ኪሰርሑ ይግባእ።

ነቲ ኣብ መንጎ ሃገር፡ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ፍልልያት መሚና ምስ እንግንዘብ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከም ዘይከስስ ክንርኢ ንኽእል። ንብምሉኡ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣይከስስን ኢዩ። ንውሑዳት ሰበስልጣን መንግስቲ ጥራይ ኢዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ብምእማት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ገበን ፈጺሞም ኪብል ዚኸስስ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን፡ግቡእ ኣገባብ ዚኽተልን ሓደ ክሱስ ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዚረጋገጽ ንጹህ ምዃኒ ዚኣምንን ሕጋዊ መትከላት የኽብር ኢዩ። ከምኡ ክንድ ዚዀነ ድማ ኢዩ፡ መርማሪ ኮሚሽን ነቲ ተፈጺሙ ተባሂሉ ዚጥርጠር ገበናት ንምጽራይ፡ ተሓታትነት ንምጥላል፡ ነቶም ዓመጽ ወይ ግፍዒ ዚወረዶም ግዳያት ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ሕጋዊ ስጕምቲታት ንኪውሰዱ ዚተላበወ።


ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚስዮን; ፍትሒ ንምስፋን ክልተ (2) መንገድታት ከም ዘለዉ ይሕብር፡- (1) ፍትሒ ንምምሕዳር፡ ተሓታትነት ናይ ዚተጻረዩ ገበናትን ግህሰታትን ንምርግጋጽ፡ ንግዳያት ገበንን ግህሰትን ዚድብስ ግቡእ ካሕሳ ንምውሃብ፡ ዘኽእል መሰረታዊ ሕጋውን ትካላውን ጽገና ዚገበረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ። ወይ (2) ብመንገዲ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ገበናት ህልቂት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ገበናት ኲናት ንምምርማርን ንምፍራድን ዚተመዘዘ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ። ይዅን’ምበር፡ ክልቲኡ መንገድታት ምምሕዳር ፍትሒ፡ ብርቱዕ ቀጻሊ ጻዕርን ብርክት ዚበለ ናይ ገንዘብ ወጻኢታትን ዚሓትት፡ ዓወቱ ኣቐዲምካ ምርግጋጽ ዘየተኣማምን ኢዩ። 


እቲ ዘይተዓረቕ ሃገራዊ ረብሓታት ናይተን ሓያላት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናይተን ቀወምቲ ኣባላት ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት (ፒ5)፡ ህሉው ጀኦፖለቲካ ናይቲ ስትራተጅያዊ ግን ከኣ ዘይርጉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ደቡባዊ ሓውሲ-ደሴት ዓረብን፡ ነቲ ብምሉእ ድምጺ ናይተን ቀወምቲ ኣባላት ኪሓልፍ ዘድሊዮ ውሳኔ ምልኣኽ ናብ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣጸጋሚ ወይ’ውን ዘይከኣል ይገብሮ።


ብተወሳኺ፡ ኣሰራርሓ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ፡ ንተኣማንነቱ ፍሒቑዎ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ናይ ሓራዪ ኣመማምያ ተኸሰስቲ፣ ፍሉይ ኣድህቦ ክሲታቱ ናብ ኣፍሪቃውያን፡ ማለት፡ እቲ ኣዳላዊ ኣተሓሕዛኡ፣ ኣብ ተመሳሰልቲ ጕዳያት ተመሳሰልቲ መምዚኒታት ዘይምጥቃሙ፣ ኣብ ተኣማንነቱ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን መብዛሕትአን ኣባል ሃገራቱን ዘስዓቦ ክሳራ፡ ብመንገዲ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ምንዳይ ኣብ ክፍለ-ዓለምና ኣጸጋሚ፡ ወይ’ውን ንመጥቃዕቲ ቅሉዕ ይገብሮ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ንምምስራት፡ ምትሕብባር ናይዚ ህሉው መንግስቲ ኤርትራ ይሓትት፤ መንግስቲ ኤርትራ ኪተሓባበር ማለት ድማ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብግዲኡ፡ እቲ ሃገራዊ ኣማራጺ መንገዲ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ መትከላት፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ዚተመርኰስ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ምሕደራ ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ምቛም ናይ ኣድላዪ ብቕዓት ዘለዎ ናጻ ኣብያተ-ፍርዲ ይሓትት።


ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ ፕሮ-ደሞክራሲ ኤርትራውያን ሓደ ስትራተጅያዊ ምርጫ ኪገብሩ ይግባእ። እንታይ ዓይነት ፍትሒ ከም ዚደልዩ ምውሳን የድሊ - ፈዳይ ሕነን ቀጻዕን ፍትሒ ዶ ወይስ ኣራምን ኣሐዳስን ፍትሒ፧ ሕነ ምፍዳይ ዶ ዕርቂ ምስፋን፧ ኣብቲ ኣረጊት ጸልማት ናይ ትማሊ ምንባር ዶ ወይስ ናብቲ ብሩህ ሓዲሽ ናይ ጽባሕ ምምራሽ፧ ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዳያስፖራን፣ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት በብመዳዩ፡ ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ፣ እቲ ናይ ፍጻሜ እዋን ኣብ ዚኣኽለሉ፡ ብዛዕባ ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዚስጐምን እንታይ ከም ዚግበርን ዚውስን፡ ስትራተጅያዊ ምርጫ ኪገብሩ የድሊ። ኤርትራዊ ዋንነት ዚሓዘ፣ ብኤርትራዊ ውሳኔ ዚምራሕ፣ ንህዝቢ ጐይታ መጻኢ ዕድሉ ንምዃን ዜብቅዕ፣ ንዚተበደለ ዜኽሕስ፣ ንሃገራዊ ዕርቂ፡ ንግስጋሰን ንራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዜገልግል፣ ስትራተጅያዊ ምርጫ ምግባር እቲ ዚበለጸ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ውሳኔ ኢዩ። 


ብመንጽር’ዚ ድሕረ-ባይታ’ዚ፡ ሓድሓደ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ከብጽሑና፣ ብሓባር ንምስራሕ ሰረት ንምንጻፍ፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ውድቀት ምልኪን ምጽኣት ሓዲሽ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንምቅልጣፍ፣ ኪሕግዙና ዚኽእሉ መሰረታዊ ሓቅታት ምርኣይ ጠቓሚ ኢዩ። በዚ መንፈስ’ዚ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብዛዕባ ሰለስተ (3) ካብቶም ክሲታት ገበን፡ ማለት፡ (1) ባርነት፡ (2) ማእሰርቲ፡ (3) ስቅያት፡ ሕጽር ዚበለ ርእይቶታት ምቕራብ ዚበርሀ መረዳእታ ኪህብ ይኽእል ይኸውን። 


ባርነት 


ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓለንጊ ስቓይ መንእሰያት ኤርትራውያን ኰይኑ ጸኒሑ። ንቃልን መንፈስን ኣዋጅ 1994 ብዚጻረር ኣገባብ እናተተግበረ፣ መንእሰያት ንቡር ስድራቤታዊ ኣተዓባብያ ኰነ ግቡእ ትምህርቲ ከይረኽቡ፡ ዓቕሞም ከየማዕብሉ ዕድል ነፊጉ። ኣብ ርእሲኡ፡ ሃገራውን ዘቤታውን ቍጠባ ኣዕንዩ፣ ልምዓት ሃገር ሓንኲሉ፣ ንናይ ነዊሕ እዋን ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ፈጢሩ። መወዳእታ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣፍራዪ ጕልበቶም ኣባኺኑ፡ መጻኢ መንእሰያትና ሰሪቑ። እቲ ብዘይ ግቡእ ውጥን ዚካየድን ሃፈ-ጻማ ዘይህብን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መልክዕ ዘመናዊ ጊልያነት ብምሓዝ ዳርጋ ናብ ባርነት ተቐይሩ። እዚ ድማ፡ ብመሰረት’ቲ ዚተመዝነ ርእይቶ መርማሪ ኮሚሽን ሕ.ሃ. ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ  ኤርትራ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ።


 ማእሰርቲ


እቶም ፖለቲካዊ እሱራትን ዚተቐየዱ ጋዜጠናታትን ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ኢዮም ተኣሲሮም። ዊንታዊ ማእሰርትን ገደብ-ኣልቦ ማሕቡስን ብኣፈ-ቃል፡ ብዘይ ዚዀነ ጽሑፍ ወይ ዚተፈረመ ትእዛዝ፡ ኢዮም ዚፍጸሙ። ማእሰርቲ ናቶም ኣባላት ናይቲ ዚደስከለ መሰጋገሪ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዚነበሩ’ሞ፡ ንጹር ግህሰት መትከል ፓርላማዊ ዘይተተንካፍነት ዘረጋግጽ ኢዩ። ማእሰርቲ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ቀይዲ ብዘይ ፍርዲ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዮም። 


ኪኖ’ቲ ሰረት-ኣልቦ ጠቐነታት ናይ ክድዓትን ምንዕዓብን፡ እቶም ፖለቲካዊ እሱራት ብወግዒ ኣይተኸሰሱን፡ ኣብ መጋባእያ ሕጊ ንፍርዲ ኣይቀረቡን። ሓንሳእ ምስ ተኣስሩ፡ ደሃዮም ከይተሰምዐ፡ ፍጹም ጠፊኡ። ምስ ዚዀነ ሰብ ከይራኸቡ ተኸልኪሎም፡ ኣብ ብሕቱው ቀይዲ ተታሒዞም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣበይ ከም ዘለዉ ይዅን ሃለዋት ኣካላውን ኣምሮኣውን ጥዕናኦም ዚዀነ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ብስድራኦም ይዅን ብከም ኣህጕራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ዚኣመሰሉ ተኸታተልቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዚዀነ መሰል ናይ ምብጻሕ የብሎምን። ንደቂ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንካ፡ኣብኡ በልዮም ኪድርበዩ፡ ከም ዘየለዉ ጌርካ ምርሳዕ፡ ዘይሕጋዊ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ብመሰረት’ቲ ዚተመዝነ ርእይቶ መርማሪ ኮሚሽን ሕ.ሃ. ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መስላት ኣብ ኤርትራ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ።


ስቅያት 


መርማሪ ኮሚሽን ዘስካሕክሕ ዛንታታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራትን ተራ ቅዩዳትን ዚፍጸም ስቅያት ካብ ቃላት ናይቶም ግዳያት ባዕላቶም ብምእካብ ሰሪዑ ኣቕሪቡ ኣሎ። ገደብ-ኣልቦ ቀይዲ፡ ካብ ኵሉ ርክባት ምስ ሰባት ምሕራም፡ ንሰብ በይኑ ነጺልካ ብጽምዋ ምሓዝ፣ ምንፋግ መሰረታዊ መሰል ናይ ህይወት፡ ናይ ናጽነት፡ ናይ ብደስታ ምንባር ኢዮም። ካብቶም ብዚኸፍአ ጭካነ ዚልለዩ ዓይነታት ስቅያትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኢዮም። እስከ ነንገዛእ ነብስኹም ንሓንቲ ህሞት ትኣክል ብሓሳብ ኣብ ቦታኦም ኴንኩም ርኣይዋ!   


ብርግጽ፡ ኤርትራ ህዝባ ኪነብረላ ዘይክእል ሃገር ኰይና ኣላ! ብቍጠባዊ ጸበባ ዚተሰነየ ጃምላዊ፡ ሰፊሕን ዚተዋደደን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብብዝሒ፡ ህይወቶም ኣብ ዓቢ ሓደጋ እናውደቑ፡ ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ንኪሃድሙ ይደፍኦም ኣሎ። ገለ ነጋዶ ደቂ ሰብ ወይ ኣፍለስቲ ይጥቀሙ፤ ካልኦት ብእግሮም ይምርሹ። ብዙሓት ኣብቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ምደረበዳ ሳሃራ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብወቕዒ ጸሓይ ይሃልቁ፣ ኣብ ምስግጋር ናብ ሓውሲ-ደሴት ዓረብ ወይ ኤውሮጳ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ፣ ወይ ንምህርቲ ክፋለ-ኣካል ኣብ ሲናይ ይቕዘፉ። ትራጀዲ ላምፐዱዛ ኵላትና እንዝክሮ ኢዩ።  


ብንጹር፡ እቶም ካብ ሃገሮም ዚሃድሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ስደተኛታት ኢዮም። በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚወርድ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ጭቈናን ዘጋጥሞም ፍጹም ተስፋ ምቝራጽን ተደፊኦም’ምበር፡ብተኽእሎ ናይ ዚሓሸ መነባብሮ ኣብ ካልእ ቦታታት ተሳሒቦም ኣይኰኑን ዚስደዱ። እተን ዑቝባ ንምርካብ ዚኸዱወን፡ ከም ካናዳ ዚኣመሰላ ሃገራት ድማ፡ ኣብ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ክሳብ ዚመጽእ፡ ነቶም ካብ ፖለቲካዊ ጭቈና ንምምላጥ ዚመጹወን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኪቕበላኦም፡ ዑቝባ ኪህባኦም፡ ኪከላኸላሎም ግዴታ ኣለወን።  


ዞባዊ ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት 


እቲ ልዑል ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ቀጻሊ ህውከት ጸኒሑን ኣሎን። መብዛሕትአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ታሪኻዊ ሕመረት (ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን) ይዅን እቲ ዓቢይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዚጽዋዕ (ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ኡጋንዳን) ይዅን እቲ ጐረቤቱ ዚዀነ ደቡባዊ ሓውሲ-ደሴት ዓረብን፡ ኣብ ዚተፈላለየ ደረጃታት ናይ ዓሚቝ ቅልውላው ይርከባ። እዚ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኰነ ኣብ መንጎ ሃገራት እናገደደ ዚኸይድ ግጭታት ኰነ ደማዊ ኲናታት ሃይማኖታዊ ጕጅለታት፡ ተረሚሱ ዚርከብ ናይ ህውከት ዞባ’ዚ፡ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ኤርትራን ብልጽግና ህዝቢ ኤርትራን ሓያል ኣሉታዊ ስንብራት ከም ዚህሉዎ ምግንዛብ ይግባእ። 


ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ኣብ ካናዳ


ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ፡ እንተላይ ኣብ ካናዳ፡ ንመንግስቲታት ናይተን ኣዕቊበናኦም ዘለዋ ሃገራት ሎቢ ኪገብሩ ይግባእ፡-





ኣብ መወዳእታን እቲ ዚዓበየ ኣገዳስነት ዚሕዝን ድማ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዳያስፖራን፡ ኣብቲ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚስስን፡ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዚካየድ ሃገራዊ ጻዕሪ ብንጥፈት ምስታፍን፣ ንህንጸት ቅዋማዊት፡ ገስጋሲትን ራህዋ ዚሰፈናን ሃገረ ኤርትራ ኣበርክቶ ንምግባርን፡ ኪጽዕሩ ይግባእ።