All updates

ATV: መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

23/05/2020
24 ግንቦት 2020
መግለጺ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ብኣጋጣሚ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነት ኤርትራ

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ሰብ-መዝን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ፡

ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ኣቐዲመ፡ በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ናይ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነትን መበል 27 ዝክረ-ዓመት ልዑላዊ ናጽነትን ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ምዉቕ ዮሃና አቕርብ።

ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ፡ ብተባዕ ቃልስን መዘና-ኣልቦ መስዋእትን ተጋዳላይን ህዝብን ዚተረኽበ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ሃገራዊ ኤርትራዊ ድማ፡ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ንዘልኣለም ኪዝከር፡ ኪኽበርን ኪጽንበልን ኪነብር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንክብረት፡ ንሰላም፡ ንቅሳነት፡ ንራህዋ ተቓሊሱ። ዘፍቅሮም ብሉጻት ደቁ፡ ህይወቱ፡ ንብረቱ ከይበቐቐ ወፍዩ፤ ምእንቲ እዞም ብጹኣት ዕላማታት እዚኦም ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ፡ መቕተልቲ፡ ማእሰርቲ፡ ስቅያት ተጻዊሩ።

ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ኰይኑ ግን፡ ዛጊት ጻምኡ ኣይረኸበን። እቲ መሰረታዊ ዕላማታት ናይቲ ብደረጃ ዓለም ቅያ ዘበለ ቃልሱ ተጠሊሙ፤ ኣብ ክንዲ ሓርነት፡ ጊልያነት፣ ኣብ ክንዲ ፍትሒ፡ ግፍዒ፣ ኣብ ክንዲ ክብረት፡ ሕስረት፣ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ኲናት፣ ኣብ ክንዲ ቅሳነት፡ ህውከት፣ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ ስእነት፣ ተደቢሱ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ ኵሉ ጻዕርታት ደቂሰብ፡ ደረጃ መነባብሮ ንምምዕባልን ነቲ ሰብኣዊ ኵነት ወይ ህይወት ደቂሰብ ንምምሕያሽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ን29 ዓመታት፡ ጓንጓ ጭርሖታት፡ ዘይትግበሩ መደባት ልምዓት፡ ዘይፍጸሙ መብጽዓታት፡ ዘይጭበጡ ተስፋታት፣ ዓመት-ዓመት ምስቲ ክዉንነት ዘየሳንዩ፡ ብኣሽካዕላል ዚደጋገሙ ህውተታታት ኪሰምዕ ጸኒሑ። ኣብዚ ናይ ሎምዘመን ጽምብል’ውን፡ ቁምነገር ዘለዎ፡ ካብኡ ዚፍለ መልእኽቲ ንምስማዕ ትጽቢት ኣይግበርን።

ዘይፍጸሙ መብጽዓታት ኰነ ኣጉል ተስፋታት ሃገር ከልምዑ፣ ሃብቲ ኪፈጥሩ፣ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሹ፡ ድራር ዕለት ኪዀኑ ስለ ዘይክእሉ፤ ሃገርና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሳ፣ ቍጠባና ተረሚሱ፣ ፖለቲካና ተዘሪጉ፣ ሕብረተሰብና ተደቚሱ፣ ስድራቤታትና ተበታቲኑ፣ መንእሰይና ብጃምላ ተሰዲዱ። ዞባውን ኣህጕራውን ቍመና ሃገርና ተበላሽዩ፣ ህዝብና ተዋሪዱ፡ መስሓቕ ሸራፋት ኰይኑ።

ሰላም፡ ርግኣትን ድሕነትን መሰረታዊ ኵነታት ንሰሳኒ ልምዓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብጀኦግራፍ፡ ብታሪኽ፡ ብባህሊ፡ ብስትራተጅያዊ ረብሓ ብቐረባ ዚተላገበ ኢዩ። ሃገራዊ ልዑላውነቱን ግዝኣታዊ ምሉእነቱን ዓቂቡ ድማ፣ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ኪነብር ዚደሊ ህዝቢ ኢዩ።

ብጠንቂ ባዕዳዊ ግህሰት መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ፡ ሃገራዊ ልዑላውነቱን ግዝኣታዊ ምሉእነቱን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓምሳ ካብዘን ዚሓለፋ ስሳ ዓመታት ኣብ ርሱን ወይ ዝሑል ኲናት ተጸሚዱ ጸኒሑ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም ንምንጻፍ፣ ኢትዮጵያ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፡ ብቃልን ብግብርን፡ ከተኽብር ይግባእ።

ኲናት ብዘይካ መቕዘፍትን ዕንወትን ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኣብዚ  እዋን’ዚ፡ ነቲ ዚሓለፈ ታሪኽ ናይ ኲናትን ተጻብኦን ኰነ ነቶም ንዕኡ ዘበገሱ ጠንቅታት፡ ወሳኒ መደምደምታ ብምግባር ነባሪ ሰላም ምርግጋጽ፣ ሓደ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ዚምስረት ሓድሽ ዝምድና ናይ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ምዅስኳስ ዚከኣል እመስለኒ።

ነቲ ሓድሽ ዝምድና ድልዱል ሰረት ንምንጻፍ ድማ፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ነቲ ብኣህጕራዊ ሕጊ ዚድገፍ፡ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ዶባት ዚባርኽ መትከልን ልምዲን ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምቕባል፣ ብመሰረት’ቶም መግዛእታዊ ውዕላት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኵሉ’ቲ ተጐቢጡ ዘሎ መሬት ኤርትራ ከውጽእ ይግባእ።

እዚ ስጕምቲ’ዚ ምስ ዚውሰድ፡- (1) ንቅንዕና ድሌት ሰላም ናይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብግብሪ ከረጋግጽ፣ (2) ከም መርኣያ ናይ ሰናይ ድሌት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእምማን ኪዅስኵስ፣ (3) ነቲ ጌና ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓድታቱ ተመሊሱ ንቡር መነባብሮ ንምህናጽ ከፍቅድ ይኽእል።

ኣብ ምኽላል ናይቲ ውዕላዊ ዶብ ዘሰሓሕቡ ቦታታት ምስ ዚህልዉ፣ ምስ ሽማግለታት ናይቶም ደረት መሬት ዓድታቶም ዚፈልጡ ዓበይቲ ዓዲ ናይተን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚርከባ ጐደቦ ዓድታት ብምምይያጥን፡ ክኢላዊ ሓገዝ ናይ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራት ብምዕዳምን ኪፍታሕ ይኽእል። ትካላዊ ኣገባብ ዚሓዘ፡ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድና ምስ ዚምስረት ድማ፣ ኵሎም እቶም ዘይተፈትሑ ክልተኣዊ ጕዳያት፡ ብምይይጥ ወይ ብልዝብ ምፍታሕ ይከኣል።

ርግጽ፡ እቲ ሓድሽ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምርግጋእ ከድሊዮ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኰነ ኣብ ኢትዮጵያ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ዕድል ዘረጋግጽ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል፣ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ወጻኢ፡ ውድብ ይዅን ውልቀሰብ፡ ጥርናፈኡ ከዕዝዝ፡ ብሓደ ድምጺ ኪዛረብ፡ ብሓባር ኪቃለስ፡ ህጹጽ ጠለብ ናይዚ እዋንና ኢዩ።

በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ኣብቲ ህሉው መነባብሮኡ፡ ነብሰ-ምንጻል፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ኰነ ክንክን ጽሬት ንምግባር ዘኽእል ግቡእ መሳለጥያታት ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዚ ንመላእ ዓለም ዘሳቒ ዘሎ ሓደገኛ ለበዳ ኮሮናቫይራስ መዋጽኦ ይሃብካ እብል። ነቶም ምስቲ ኵሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕጽረታት፡ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ንምሕላው ኵሉ ዚከኣሎም ዚገብሩ ዘለዉ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕናን ኰነ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘርእዮ ዘሎ ሓልዮትን ዚገብሮ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን አሞጕስ።      

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጥልመት ዕላማታት ሰውራና ዘምጽኦ ዘመነ ጸልማት ናይ ዓመጽ፡ ብልሽውናን ንድየትን ናብ ሰናይ ዘመን ናይ ፍትሒ፡ ቅሳነትን ራህዋን ዚቕይር፣ ክብሪ፡ ናጽነትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታትና ብምምዕባል ኣብ መዓላ ልምዓት ሃገር፡ ግስጋሰ ሕብረተሰብ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘውዕል፣ ኣብ ቅዋም ዚምስረት፣ ብናጻ ምርጫ ህዝቢ ዚቐውምን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘገልግልን፣ ርጉእ ደሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእ ሓድነትና ከነደልድል፡ ጥርናፈና ከነዕዝዝ፡ ቃልስና ከነሐይል እላቦ።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ድርብ ጽንብል በዓል ሓርነትን ናጽነትን፡ ንመላእ ህዝብና ደጊመ ዮሃና እብል።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!